ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ፣ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕያሽ ዝጸንሑ ጸገማት ክፍትሑ ገዚፍ መደብ ከምዘሎ ንምትስፋዉ ናይ 03 ወረታት ክነዝሕ ጀሚሩ ምላዉ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፣ ደጊም ህወሓትን ስግኣቱን ኣብቂዑ ምስ ህወሓት ዝደናገጹ ዝነበሩ ምዕራባዉያን ሓይልታት ድማ ተሳዒሮም ስለዝኾኑ ፣ ህዝቢን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ስቡሕ ናብራ ንምምላስ ብዙሓት መደባት ተሰሪዖም ከምዘለዉ ዘተስፍዉ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ከም ልሙድ ብሰለይቲን ኣዉረይቲን ክዝሮ ጀሚሩ ምህላዉ እዩ።
ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ፣ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ፣ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻእኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር፣ ምህናጽ ኣባይቲን ምዕዳል መሬትን ምጅማር፣ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዘለዉ ምዃኖም እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ከመኽንዮ ዝጸንሐ ስግኣት ተጸንቂቚ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ካልእ ምኽንያት ሃሰዉ ዝብል ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ክሳብ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዘኽእል ሓድሽ ምኽንያት ዝረክብ ኣተስፈዉቲ መብጸዓታት ክነዝሕ ምዃኑ ትጽቢት ብዙሓት ወገናት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ናይ ሓድሽ ዓመተ 2023 ጽሑፋዊ መልኽቱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራቐቐን ዝበእኣሰን ግዳማዊ ተጻብኦ ይመጽኦ ብምህላዉ ንዝሓየለ ምኸተ ድሉው ኪኸዉን ዝብል ልሙድ መግለጺ ሒቡ ነይሩ እዩ። እቲ መራሒ ብሽፍኑ ዝጠቐሶ ሓድሽ ግዳማዊ ተጻብኦ ኣብዚ ግዜዚ ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ከምዘይኮነ ዝተገንዘበ ይመስል ድማ፣ ክሳብ ዘእምን ምኽንያት ዝረክብ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ክብትን ይርአ ኣሎ።
ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ፍታሕ ዋላ እንተተረኺብዎ፣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቊጠባዊ ይዂን ፖለቲካዊ ጽገና ኽገብር ከምዘይኮነ እዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ንቊጠባዉን ደሞክራስያዉን ልምዓት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ዘመልከቱ ምንጭታት፣ ሃገር ከይትለምዕን ከይትግስግስን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት እንተቒህሙ ፣ ምስ ሱዳንን ጁቡቲን ነገር ብምጽሕታር፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ሶማል ብምስታፍ ተወሰኽቲ ምኽንያታት ከቃንዕ መደብ ከምዘለዎ እዮም ዘረድኡ።
ጉጅለ ህግደፍ ስልጣን መንግስትነት ካብ ዝጨዊ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተራጸመሉን፣ ጠንቂ ዞባዊ ሃወኽ ካብ ምዃን ዘየዕረፈሉን ቀንዲ ምኽንያት፣ ህዝቢን ሃገርን ናይ ምምሕዳርን ምልማዕን ዓቕሚ ይዂን ድሌት ስለዝዉሕዶ እዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ድሕሪ እቲ ልዕሊ 20 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ጂሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት ፡ ሕጂ ህግደፍ ናብ ቀልቢ ተመሊሱ ንህዝቢን ሃገርን ብቚጠባን ሰብኣዉነትን ኪመርሕ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ከምዘይከኣል ይመኽሩ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኪፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ዉሽጣዊ ሽግር ኤርትራ ብህዝባን ሰራዊታን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።