ሓድሽ ኣህጉራዊ ተነጽሎን መቕጻዕቲን ዝጽበዮ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ነቲ ስግኣት ንምዝላቕ ምስ ሃገራት እዚ ዞባ ዝጸንሖ ዝምድናታት ኣብ ምሕዳስ ይጓየ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።
እቶም ምንጭታት ነዚ ዝገለጹ እቲ መራሒ ጉጅለ ሎሚ 8 ለካቲት ንናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኬንያ ብምእታዉ ምስ ሰብስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝራኸበሉ ዘሎ እዩ።
ኣብ’ዚ ዞባ እወታዊ ተራን ፡ ንሓባራዊ ስራሕ ድልዉ ምዃኑን ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝጓየ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ግደፍ፣ ድሮ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልን ኣብ ባይታ ንምምስካሮም ዓቐብ ዝኾኑ ሓያሎ ስምምዓት እንዳኸተመ ካብ ተነጽሎ ንምህዳም ብምስሉይነት ይጽዕት ከምዘሎ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቊጠባዊን ፖለቲካዊን ቀይዲ ምስቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ክዉንነት ፍጹም ዘይቃዶ እንዳሃለወ ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንመራሕቲ ሃገራት እዚ ዞባ ብጽሑኒን ዓድሙኒን እንዳበለ ስማዉያን ዉዕላት ናይ ምኽታም ተዋስኦ ስራሐይ ኢሉ ሒዝዎ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሳወሮን ብመሪሕነት ዝተሳተፎን ኲናት ሕድሕድ፡ ዞባዊ ጽልዋኡን ተሰማዕነቱን ከዛይድ ወጢኑ ዝነበረ’ሞ ዘይተሳኽዓሉ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ሕጂ ኣብ ዞባዉያን ዉድባትን ምትኽኻባትን ክጽንበርን ኪሕባእን ዝመርጸሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካብ’ቲ ብኣመሪካን መሓዙታን ኪመጸኒ እዩ ኢሉ ዝሰግኦ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ንምንጋፍ ከምዝኾነ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓንቲ ጎረቤት ሃገር ኣሳዊሩ ከማሕድሮም ዝኽእል ሽግራት ክሳብ ዘይተራእይዎ ምስታ ሃገር ዝኾነ ምሕዝነት ክምስርት ከምዘይደፍር ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት ፡ እዚ ድማ እቲ መራሒ “ኣብታ ዝዛመዳ ዘሎ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ፈጢረ ኣነ ከም ዓራዪን ኣማሕዳሪን ሽግራት ክጥመትን ተደላይነተይ ኪዓዝዝን ይኽእል እዩ” ዝብል እምነት ስለዘለዎ’ዩ ይብሉ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኣተዎ ወገናዊ ስምምዕ ሰላም፡ ምስ ሶማል ዝኸተሞም ስትራተጂካዊ ዉዕላት፡ ከምኡ’ዉን ምስ እዋናዊ መሪሕነት ሱዳን ብተደጋጋሚ ዘሐድሶም ዝምድናታት ፡ ነተን ሃገራት እንትርፎ ናብ ቀጻሊ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ናብ ርግኣት ከምርሐን ከምዘይተራእየ እዉን እቶም ምንጭታት ከም ኣብነት ይጠቕሱ።