ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ’ዘን 31 ዓመታት ነጻነት ዓሚመዮም ንዝብሎም ልምዓታዊ መደባት ብዝምልከት ብመንገዲ’ተን ብወግዒን ብከዉሊን ዝዝዉረን መራኸቢ ብዙሃን ዝገብሮም ዘመተታት፣ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገራና ደጊሞም ሓቢሮም።
ወኪልቲ ኤሪሳት ንነበረቲ ዉሽጢ ዓዲ ኣዘራሪቦም ኣብ ዝኣከብዎ እዋናዊ ርይቶታት፡ 31 ዓመታት ነጻነታ እትቖጽር ዘላ ሃገር፣ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ዕለታዊ ዝሳቀየላ ዘሎ ሃገር ኽትከዉን ኣይትኽእልን፣ ብሰንኪ ሕሱምን ኣዕናዊን ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ግን ፣ ህዝብና ነዛ ሕጂ ንርእያ ዘለና ሰባዊ ዓቕማ ዝበረሰ፣ መናድቓ ዝዓነወ፣ ዕጽዉቲን ዕፍንቲን ኤርትራ ሒዙ ሰለይ ይብል ከምዘሎ ዘመልክቱ እዮም።
ልዕሊ ሳላሳ ዓመታት ነጻነት ዝጨወየ ጉጅለ ክንድዚ ዲጋ ሃኒጸ ክንድዚ ዓቕሚ ሰብ ኣልሚዐ ክብል ክትሰምዕ፣ እዚ ጉጅለ እዚ ክሳዕ ክንደይ ንዉሽጢ ሓሚሙን ሕንከት ረሲዑን ከምዘሎ ዘርእየካ እዩ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፣ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ጥፍኣቱ መመሰሊ ድሕረትን ግብረ-ክፍኣትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ታሪኽን ልብን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንጣብ ዝኽሪ ከምዘይህልዎ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብታ ሓደ ዓመት ቅድሜና ነጻነታ ዝረኸብት ናሚብያ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ’ታ 3 ዓመታት ድሕሬና ርግኣት ዝመለሰት ሩዋንዳ ተበጺሑ ዘሎ ቊጠባዊን ሰባዊን ልምዓት ፡ ንሕምቀትን ድሕረትን ጉጅለ ህግደፍ ዘቃልዕ ናይ ቀረባ ኣብነት ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ እቶም ዜጋታት፣ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ንዝነበረ ከዕንዉ ነዊሕ ዝደኸሙ ገበነኛታት ብምዃኖም፣ “ነተን ኣብ ሃገር ብረሃጽን ገንዘብን ህዝቢ ዝቐንዓ ሒደት ትሕተ ቅርጺ ከም ድንቂ-ምሕደራኦም ዓመት መጸ ኪንየቱለን ክትሰምዕ ንኹሉ ሃገራዊ ኣጉህዩ ዘስሕቕ እዩ” ኢሎም።
ካብ’ዚ ሕሱም ጉጅለ ኣርሒቖም ንስደት ዘምርሑ ኩሎም ዜጋታት፣ በዚ ዘሳደዶም ጉጅለ፡ ክሳዕ መሰረታ ዝዓነወት ሃገር ኪርከቡ ምዃኖም ፈሊጦም ፣ ኣብ ዘለዉዎ ብትምህርቲን ሞያን ደልዲኖም ተዳልዮም ክጸንሑ ዝመኸሩ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተሓስበሉ ኩሉ ዓይነታት ጥፍኣት ናብ ረብሓኡ ቀዪሩ ህላወኡ ዘይበትኽ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።