መንግስቲ ሆላንድ ዝተቀበሎም ስደተኛታት ምስ ናይ ቀረባ ቤተሰቦም ናይ ምጥርናፍ መሰሎም ደው ኣቢልዎ ድሕሪ ምጽንሑ ዳግማይ ስርሑ ክጂምር ምኻኑ ገሊጹ ።

እዚ ዝኾነሉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራቤት ናይቶም ናይ ዑቕበኛ መሰል ዘለዎም ስደተኛታት ዝተበየነ ገደብ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ምውሳኑ እዩ።

ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ቤት ምኽሪ መንግስቲ፡ እቲ ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝተገብረ ገደብ ንሕጊ ሆላንድን ኤውሮጳን ዝጥሕስ ምዃኑ ወሲኑ። እዚ ውሳነ ድማ  ናይ መወዳእታን ቀያድን ምኻኑ ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ ኣስታት 1200 ሰባት ካብዚ ብቕጽበት ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉን መእተዊ ቪዛ ከምዝረኽቡን ገሊጹ።

ብርክት ዝበላ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ኣቐዲመን ውሳነታት ኣውጺአን ነይረን፡ እቲ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ምዃኑን ምትእኽኻብ ስድራቤት ክቕጽል ክፍቀደለን ከምዘለዎን እኳ እንተገለጻ፡ መንግስቲ ሆላንድ ግን ነቲ ውሳነታት ይግባይ ብምባል ደው ኣቢልዎ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ንውህደት ስድራቤት ዝድርት ፖሊሲ፡ ካብ ሓያሎ ትካላት ሓገዝ ስደተኛታት እውን ነቐፌታ ረኺቡ ነይሩ፡ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ሆላንድ፡ ብመሰረት ንማዕከን ዜና ኤኤፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡  እቲ ብምንግስቲ ሆላንድ ተወሲዱ  ዝነበረ ውሳነ ንመሰል ስደተኛታት ዝግህስ እዩ ክብል ነቂፍዎ ነይሩ ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ምውሳኹ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ቀዋሚ መንበሪ ኣባይቲ – ዋላ’ውን ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ፡ ንምጥርናፍ ስድራቤት ንግዝኡ ግብራዊ ከምዘይከውን ከምዝገበሮ እዩ ዝገልጽ ።