ህግደፍ ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ንዝነብሩ ገለ ዉሑዳት ኤርትራዉያን ስነጥበበኛታት  ናብ ዉሽጢ ሃገር ከም ዝበጽሑ ብምግባር ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ሃገር ኪኣቱ ጸገም ከምዘየለ ንምእማን ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ጀሚርዎ ዘሎ ዘመተ ብዝሓየለ ይቕጽሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዑቕባ ሓቲቶም ኪናበሩ ንዝጸንሑ ገለ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት፡ ናይ መገሻን ጻንሖትን ወጻኢታቶም ሸፊንካ ፡ ኣስዳዕቲን ኣናፈቕቲን ኣሳእል መገሻኦም ኣብ መናጽፍ ማሕነራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ ፈሊሙ ዘሎ እቲ ሽርሒ፡ ንብዙሓት ከደናግርን ኣተሓሕዛ ህግደፍ “ተመሓይሹ ይመስል” ከብልን ከምዝኽእል ምንጭታትና ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝካየድ  ዘሎ ዘመተ፡ ዘድሊ ባጀት ተሰሊዕሉ ተወሰኽቲ ስነጥበበኛታትን ህቡባት ሰባትን  ናብ ሃገር ንምዕዳም ይስራሕ ምህላዉ ይንገር።

ብዘይካ’ዚ ህግደፍ፡ ኣብ ግዳም ዝብርኽ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ምስ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ንምርኻብ ብዝነጥፋ ሚድያታት ፍትሒ ዝዳለዉ ስራሓት ተዓዛብነት ንኽስእን፡ ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ብብዝሒ ንምዉፋር ሓንጺጽዎ ዝጸንሐ መደብ ብዝሓየለ ይጎየሉ ምህላዉ ክንሕብር ቀኒና ኢና።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ሃገር፡  ዕለታዊ ዓሰርተታት ስነጥበባዊ ስረሓትን መደባት ዕላልን ብመንገዲ’ተን ጽባሕ ጽባሕ ዝራብሓ ዘለዋ ናይ ዩቱብ መስመራት ከምዝዝርግሑ፣ ምስ ብዝሒ እተን መሰመራት ብምንጽጻር ድማ ንሽሙ’ዉን ይዂን ዝመሓላለፍ ትምህርታዊን ሞያዊን መደባት ከምዘየለ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2021 ፣ ኣቶ የማነ ገበረኣብ ንዉሑዳት እሙናት መንእሰያት-ህግደፍ ጥራይ ኣብ ዘካየዶም ማንዛዊ ኣኼባታት ፣ ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ  ዝንህር ዘሎ ናይ ለዉጢ ሓይሊ ንምቚጻይ ገዚፍ ባጀት ተሰሊዑ፡ ብህግደፍን መንእሰያት ህግደፍን ዝካየዳ ብዙሓት ሓደስቲ ናይ ዩቱብ መስመራት ፡ መርበባት ሓበሬታ፡ ገጻት ማሕበራዊ ሚድያን ካልእን ንምውፋር ተመዲቡ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ እዩ ።