መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ብ12 ለካቲት ዘካየዶ ቀዳማይ ክፋል ቃለመሕትት፡ ከም ልማዱ ዓለማዊ መራሒ መሲሉ ብዛዕባ ግሎባዊ ስርዓት ከስተምህርን ንፍሉጥ ታሪኽ ከም ድንቂ ፍልጠት ወሲዱ ክትንትንን ነዊሕ ክህውትትን ተራእዩ።

እቲ መራሒ ጉጅለ ፣ ብዛዕባ ንመላእ ዓለማዊን ዞባዊን ዓመጽ ዝቃለስ ዘሎ ፍሉይ መራሒ መሲሉ ኪቐርብን ክፈላሰፍን እዩ ተሰሚዑ።

ብጉዳይ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝተላዕሉ ሕቶታት እቲ መራሒ፣ ጽኑሕ ስግኣታት ህወሓት ኣብ ዝተኻየዱ ሰለስተ ገጻት ኲናት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ምዉራዶም ብምምልካት፣ ህወሓት ብኣመሪካን መሻርኽታን ዳግም ተናብዩ ተወሳኺ ስግኣት ክፈጥር ኣይክኣልን እዩ ክበሃል ከምዘይከኣል ግን ግምታቱ ኣይሓብአን።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ፡ ህወሓት ካብ ፍጹም ጥፍኣት ንምድሓን ነቲ ጥፍኣት ንምኹላፍን ብኣመሪካ ዝተደፍኣሉ ግዱድ ስምምዕ ምንባሩ ዝጠቐሰ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ እቲ ኲናት ከይተዛዘመ ምዕንቃጹ ዕጉብ ከምዘይኮነ እዩ ኣተንቢሁ።

ኣብ ሞንጎ ወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሕዳር ናይ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ንዓና ዘይሕለፍ ጽቡቕ ዕድል እዩ ነይሩ ዝበለ እቲ መራሒ ጉጅለ ፡ ህግደፍ ንኸምኡ ዝበለ ዕድል ኲናት ይጽበን ይትስፎን ምንባሩ ዘመላኽት ዘረባ እዩ ዘርዚሩ።

ንእዋናዊን ቅልጡፍ ምቅይያራት ንዘመዝግብ ዘሎን ዓለማዊ ስርዓት ኣመልኪቱ እዉን እቲ መራሒ ጉጅለ ፣ ከም ኣመሉ ብዛዕባ ሃጓፋት ፖሊሲታት ሃገራት ምዕራብ ኪቃጨጭን ፡ ህግደፍ ነዚ ሃጓፋት ብግቡእ ተገንዚቡን ኣንቢቡን ንዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ኣደብ ኪሕዝ ኣብ ምግባር ይጽዕት ምህላዉ ኪህልዉስ እዩ ተራእዩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ንህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ጠለባት ህይወት እኳ ከተኣኻኽል ዘይከኣለ ብዛዕባ ዓለምን ዞባን ተሓሊቑ ክወራዘ ምርኣይ ልሙድ ባህሪኡ ኮይኑ ኣሎ።