ሩስያ ኣብ ማያዊ ገማግም ፖርትሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዘኽእላ ዉዕል ድሕሪ ቀጻሊ መጽናዕቲ ናብ ምዝዛም ከምተቓረበ እዋናዊ መሪሕነት ሱዳን ሓቢሩ።

እቲ ንርብዒ ዘመን ዝቕጽል ምዃኑ ዝተነግረሉ ዉዕል ፣ ሩስያ ኣብ ፖርትሱዳን ኣማኢት ኣባላታ ዘካትትን ዝተራቐቚ መራክብን ኣጽዋርን ዝዓጠቐን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትድኲን ዘኽእል’ዩ ።

ኣብ ዘመነ ስልጣን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዝተፈለመ እቲ ሓሳብ፡ ምስ ዝሰዓበ ዕልዋታት መንግስቲን ዝበኣሰ ዉሽጣዊ ቅልዉላዉ እታ ሃገርን ብዙሕ ዉረድ ደይብን ኽለሳን ኪረእኣየሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሩስያ ምስ ከም ሱዳንን ኤርትራን ተትርሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ወተሃደራዊ ምድግጋፋት ክስዕቦ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግመት ጸኒሑ እዩ። እቲ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ሩስያን ተጻፊፉ ዝበሃል ዘሎ ዉዕል ክሳብ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ስርዓት እትሰጋገር ክኽተምን ክትግበርን ዘይምዃኑ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘቃነዐ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ኣተንቢሁ ነይሩ።

እቲ ሩስያዊ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ተዘራሪቡን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓዉድታት ንምትሕግጋዝ ዘኽእል ዉዕላት ፈሪሙን እኳ እንተኾኑ፣ ንጸጥታዊን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዛትን ዉዕላትን ብዝምልከት ከም ልሙድ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን ።

ሩስያ ትኹን ካልእ ሃገር ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ምቋም ድላይ ምስ ዝህልወን ፣ ብወገን ሱዳን ቅሩብነት ከምዘሎ ምክትል ወታሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሓመቲት) ዝሓለፈ ዓመት ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሩሲያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ ዝተመልሰ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ናይ ጸጥታን ውሕስነትን ሕቶ ሃገሩ ክሳብ ዝተኸብረ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ናይ ምትካል ሕቶ ቅቡል እዩ ክብል ምዝራቡ ኣይርሳዕን።

ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ መግለጺኡ ፡ ሱዳን ኣብ እትዉንኖ ን730 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ገምገም ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክድኲና ዝብህጋ ሃገራት ፣ ኣብ ጸጥታን ልኣላዉነትን ዝኾነ ጽልዋ ካብ ምምሕዳር ኪቚጠባ ምዃንነን ክሳዕ ዘረጋገጻ ሕቶአን እወታዊ ምላሽ ክረክብ ጸገም ከምዘይህሉ እዩ ኣነጺሩ።