ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሃገራት ምዕራብ ንሩስያ ‘ክነጽላ’ ከምዘይከኣላ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሰርጌይ ላቭሮቭ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም “ንምግላል” ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈሸለን፡ ሃገሩ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤስያ-ፓሲፊክን ካልኦትን ዝሓየለ ዝምድና ትሃንጽ ከምዘላ ኣረዲኡ።
ላቭሮቭ ካብቲ ንኣስታት ሰሙን ዝቐጸለ ዑደቱ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ንዲፕሎማሰኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሎሚ ምዕራባውያን ሃገራት ብናይ ተነጽሎ መደብ ንሩስያ ብምኽባብን ምንጻልን ዝሓንጸጽዎ መደብ ፍሹል ምዃኑ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና” ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣንጎላ ፣ ኤርትራ ፣ ማሊ፡ ሞሪታንያ፣ ሱዳንን ከምኡ’ውን ዒራቕ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ ።
ሩስያ ብሰንኪ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ወራር ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበራ ርክብ ከምዝተበትከ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንናይ ገዛእ ርእሳ ጸጥታ ንምሕላው ኣድላዪ እዩ ዝበለቶ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ብዝሓየለ ትቕጽሎ ምህላዋ ይፍለጥ።
ሃገራት ምዕራብ ነዚ ሩስያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ቅሉዕ ወራር እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሰፊሕ ቁጠባዊ እገዳ ምግባረን ኣይርሰዕን ፣ ይኹን እንበር ሩስያ ምስ ሃገራት ቻይና፡ ህንዲ፡ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ክትገብር ትርኤ ከም ዘላ ይፍለጥ ።