ምንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስትያን ዘስዓቦ ምፍንጫል ንሱ ዘዛይዶ ዘሎ ምትፍናንን ንምዝሓል ፡ ንማሕበራዊ መራከቢታት እታ ሃገር ንዘይተወሰነ እዋን ደው ኣቢልዎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጥረ ምፍንጫል፡ ተቓውሞታት እናሰፈሐ ብምምጽኡ ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ መራከቢታት ብመንግስቲ ኤትዮጵያ ደው ክብል ተገይሩ ከምዘሎ ኔትብሎክስ ሓቢሩ።
እቲ ተቓውሞታት ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን ንርእሶም ሊቀ ጳጳስ ብምሻሞምን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ኣቖሙን ከም ዝተፈጥረ ዝዝከር ኮይኑ ፣ በዚ ድማ እታ ቤተክርስትያን ኣብ ክልተ ተኸፊላ ከም ዘላ ምንጭታት ካብታ ሃገር የረድኡ።
ከምሳዕቤኑ፡ ካብ 4 ለካቲት ጀሚሩ ሰፊሕ ተቃውሞታት ኣብታ ሃገር ኪካየዱ ከለዉ ብውሕዱ ኣስታት 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ እታ ቤተክርስትያን ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንደገፍቱ ካብቲ ምስሕሓብ ክወጹ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤትዮጵያ ምንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ቤተክርስትያን “ኢዱ ኣእትዩ” ክብል ከሲሱ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብባህሊ ምስታ ልዕሊ 40% ተኸታሊ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ሃገር ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ ። እንተኾነ ድሕሪ ምምጻእ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን እቲ ምንግስቲ ምስታ ቤተክርስትያን ዝጸንሖ ርክባት እናላሕለሐ ክመጽእ እዩ ጸኒሑ።