ኣብ ሓያለ ከባቢታት ርእሰምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ሞንጎ ንምምላስ እታ ርእሰ ምምሕዳር ናብ ዓባይ ሶማልን ንፍጹም ምንጻልን ዝድግፉ ወገናት ጀሚሩ ዘሎ ግጭት ዕለታዊ ይብእስ ምህላዉ ካብቲ ቦታ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ኣረዲኦም።

ብፍላይ ንምምላስ እታ ምሕዳር ናብ ዕባይ ሶማል ዝድግፉ ወገናት ሓይልታት ጸጥታን ሲቪካዉያን ማሕበራትን ምስ ሰራዊት እታ ርእሰ ምምሕዳርን ኣብ ከቢድ ትፍንን ኣትዮም ምህላዎም እዩ ዝንገር።

ከምሳዕቤኑ ፡ ዛጊት ዓሰርተታት ሰባት ከምተቐትሉን ኣብ ልዕሊ ሓያለ ካልኦት ኣካላዊ መጒዳእቲ ይበጽሕ ምህላዉን ይግለጽ። ናይ ባዕላ መንግስቲ ተኺላ ንምሉእ ነጻነት ትጽዕት ምላዋ ዝንገረላ ሶማሊላንድ ካብ’ዚ ሕጂ ደሓን ዝኾነ ቆመና ወኒኑ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ዝተራቐቑ ጸቕጥታት ይመጻ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ዝብእስ ዘሎ ምትፍናን ዉጽኢት ናቱ ኪኸዉን ከምዝኽእልን፡ ማእከለይ መንግስቲ ሶማል ነቲ ጸጥታዊ ስክፍታ ኣመኽኒዮ ነታ ርእሰምምዳር ንምምላሳ ስጒምቲ ኪወስድ ተኽእሎ ምህላዉን እዩ ዝዝረብ።

ርእሰ ምምዳር ፑንትላንድ ኣካል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ካብ ምዃን ኣርሒቓ ፣ ክሳብ’ቲ ትነድፎ ዘላ ቅዋም ዝጻፈፍ ከም ነጻ ሃገር ክትዋሳእ ምኻና ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብወግዒ ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ኣልሸባብ ንምድቓቕ ዘሎ ጸዓቱ ኣውፊሩ ዝርከብ መንግስቲ ሶማል ነቲ ካብ ከም ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝኣመሰላ ርእሰምምሕዳራት ክዛይድ ዝጸንሐ ናይ ምንጻል ሕቶታት ክብድህ ዓቕሚ ዉሒድዎ ምጽንሑ እዩ ዝንገር።

ርእሰ-ምምሕዳራዊ ስርዓት ተኺላ ንምሉእ ነጻነት ትሰርሕ ዘላ ሶማሊላንድ እዉን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ማያዊ ገማግማ ወተሃደራ መዓስከር ኽድኲን ፣ ኣምስያኡ ድማ ኣመሪካ ንምሉእ ነጻነት እታ ርእሰምምሕዳር ኣፍልጦ ኽትህብ ኣብ ምጅማር ዝሓለፈ ዓመት ምዕዳማ ኣይርሳዕን።

ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ጽልዋታት ቻይና ኣብ ምብራቓዊ ገማግማት ኣፍሪቃ ብምምኽናይ ፡ ኣመሪካ ኣብ ኣገዳሲ ማያዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዳዊ ዉቅያኖስን ህላዌኣ ንምዝያድ ትምድብ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሶማሊላንድ ነዚ ክዉንነት ናብ ረብሓኣ ንምቕያር ኣብ ጻዕሪ ምህላዋ እዩ ዝንገር።