በቲ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ካብ ዘጋጥም ሰሙኑ ኣሕሊፉ ዘሎ ሓያል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ህይወቶም ናይ ዝሰእኣኑ ሰባት ቊጽሪ ዕለታዊ ይዉስኽ ምህላዉ ተገሊጹ ።
ብመሰረት ሓበሬታ እሙናት ምንጭታት፣ ዛጊት በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ናይ ዝጠፍአ ጠቕላላ ህይወት ናብ ከባቢ 29,000 ተቓሪቡ ከምዘሎ፣ እዚ ማለት ዛጊት ህይወት ኣስታት 25 ሽሕ ኣብ ቱርኪ ልዕሊ 3500 ካልኦት ድማ ኣብ ሶርያ ምጥፍኡ እዩ ዛጊት ተረጋጊጹ ።
መንግስቲ ቱርኪ ዕለታዊ ኣብ ዘውጽኦ ዘሎ መግለጺታት፡ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቊጽሪ ገና ዝውስኽ ከምዝመስል ብፍላይ ኣብ መስርሓት ምድሓን ህይወት ምድኑጓያት ይርአ ከምዘሎን እዩ። ኣብ ሶርያ በቲ ሓደጋ ሞቶም ናይ ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ብዝሒ ካብቲ ድሮ ተፈሊጡ ዘሎ ኣሃዝ ክተዓጻጸፍ ከምዝኽእል እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ ።
ኣብ ሶርያ ሰሪቱ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ናብቲ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስየ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝን ስርሒታት ምድሕናን ህይወትን ብዘይጸገም ንምቅናዕ ከምዘይተኻእለ ዝሕብሩ ጸብጻባት ፣ እዚ ድማ በቲ ሓደጋ ናይ ዝተቐትሉ ሶርያዉያን ቊጽሪ ብንጹር ንምርግጋጽ ዓቐብ ገይርዎ ምህላዉ የተሓሳስቡ።
በቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ባህርያዊ ሓደጋ ሓለፋ ከምተሃስየት ዝንገረላ ቱርኪ ፣ ንዳግመ ህንጻ ዝዉዕል ልዕሊ 1.8 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ክቕርበላ ምዃኑ ዓለማዊ ባንክ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
መንግስቲ ቱርኪ ነቲ ባህርያዊ ሓደጋ ዝኸበደ ሰብኣዊ ዕንወት ናይ’ዚ ዘመን ክብል ጠቒስዎ ኣሎ። ቱርኪ ኣብ 1999 እዉን ህይወት ልዕሊ 17 ሽሕ ዜጋታት ዝወሰደ ተመሳሳሊ ሓደጋ ምሕላፋ ኣይርሳዕን።