ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዕለታዊ እንዳተሓላለኸን ግዜ እንዳበልዐን ይኸይድ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ተቛወምቲ ሰልፍታት እታ ክልልን ዘሎ ምትፍናን ይንህር ምህላዉ ተገሊጹ።

ህወሓት ንመስርሕ ምቛም መሰረጋገሪ መንግስቲ ብዝጠዓሞን ንሱ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ብዘኽሎን መኣዝን ክዕብልሎ ይፍትን ከምዘሎ ዝኸሳ እተን ሰልፍታት፣ እዚ ኣብ’ታ ኣብ ምሉእ ዕንወት እትርከብ ክልል ተወሳኺ ጥፍኣት ከኸትል ከምዝኽእል እየን ዘጠንቅቓ ዘለዋ።

ንምንጻልን ነጻነትን እታ ክልል ይቃለስ እየ ዝብል ውድብ ነጻነት ትግራይ ማለት ዉ.ና.ት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት መዲብዎ ዝነበረ ህዝባዊ ኣኼባ ብሰብ ስልጣን ህወሓት ከምተኸልከለ ድሕሪ ምንጋሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ህወሓት ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝልለየሎም መላኺ ባህርታት ይደግም ከምዘሎ ብግህዶ ሓቢሩ ኣሎ።

ዉ.ና.ት ኣብ መግለጺኡ ፣ ሰብስልጣን ህወሓት ብሰንኪ ግጉይ ኣካይዳታቶም ኣብ ትግራይ ኩሉዓይነታዊ ህልቂትን ዕንወትን ከጋጥም ገይሮም ከይኣክል ፣ እዚ ዕጅብ ከይበሎም ብዋጋን መጻኢን ህዝቢ ትግራይ ገና ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘሎ ኣማራጺታት ይኽተሉ ከምዘለዉ እዩ ጠቒሱ።

መስርሕ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ስሩዕነትን ክፉትነትን ወኒኑ ኣብ ሓጺር እዋን ከይጻፈፍን ንኹሉ ህዝቢ ትግራይ ዘሳትፍ ግዝያዊ መንግስቲ ከይምስረትን ፡ ህወሓት ዝተፈላለዩ ምስምሳት እንዳዋፈረ ይሓላልኾ ከምዘሎ እዉን ዉ.ና.ት ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ፕለቲካዊ ሕሰም ብሰንኪ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ንዛረብ ዝነበርና ተጋሩ፡ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ናይ ኤርትራ ኲነታት ብህወሓት ክበጽሓና ክንርእይ ናይ ሞት ሞት እዩ ክብል ዝገለጸ ዉ.ና.ት፡ ኣብ ዉሽጥን ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣብ ልዕሊ መጻኢኡን ድሕነቱን ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብኣጋኡ ፍታሕ ክርከቦ ተሪር ቃልሲ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

መራሕቲ ህወሓት ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሐ ዉርደትን ህልቂትን ሻቡ ረሲዖም ፡ ብዋጋ እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝኾነ ዓይነት መንገዲ ኪኽተሉ ስኽፍ ከምዘይብሎም፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘርእይዎ ዘለዉ ባህሪ ንጹር ኣብነት ምዃኑ እዉን ዉ.ና.ት ይገልጽ።

ካልኦት ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ክልል እዉን በቲ ህወሓት ስልጣን ንምዕብላል ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ብተደጋጋሚ ዘይዕግቡነተን ኪገልጻ እየን ዝስማዓ ዘለዋ።