ማእከላይ ባንክ ደቡብ-ሱዳን ፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝግበሩ ንግዳዊ ይዂን ወፍራዊ ወጻኢታት ብዶላር ዘይኮነ ብሃገራዊ ባጤራ ጥራይ ኪካየድ ተሪር መምርሒ ብምትሕልላፉ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ኣብ ሻቕሎት ኣትዮም ምላዎም ምንጭታት ካብ ጁባ ኣቃሊሖም።
እቲ ብማእከላይ ባንክ ወጽዩ ዘሎ መምርሒ፣ ዝኾነ ኣብ ዉሽጢ ሱዳን ዝግበር ቊጠባዊ ምልዉዋጥ ብሃገራዊ ባጤራ እንተዘይኮይኑ ብናይ ወጻኢ ባጤራ ኪቃናዕ ከምዘይብሉ እዩ ዝእዝዝ።
ዝበኣሰ ቊጠባዊ ዝቕባበ ኣሰኒፍዋ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጣሪዓ ምህላዋ ኣብ ዝንገረላ ደቡብ ሱዳን፣ ዝበዝሐ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዶላር ኣመሪካ ኪካየድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ሓያሎ ኤርትራዉያን ነጋዶ ዶላር ኣመሪካ እናተጠቕሙ ካብቲ ናይ ሸመተ ሓይሉ ኣብ ዝተሓተ ባይታ ወዲቚ ዝርከብ ባጤራ ደቡብ ሱዳን ከስዕበሎም ዝኽእል ሃስያ ነብሶም ከድሕኑ ምጽንሖም ይንገር።
እዚ ንደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ኣዉፈርቲ ብኸቢድ ኪሃሲ ምዃኑ ዝንገረሉ ሓድሽ መምርሒ፣ ድሮ ካብ ጸለዉቲ ዝበሃሉ ሰብ ሃብቲ ቀጥታዊ ተቛዉሞ ኪገጥሞ ጀሚሩ ከምዘሎ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
መጠን ሸርፊ ዶላር ኣብ ደቡብ ሱዳን ቀይዲ በቲኹ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሕብሩ ሰብመዚ ቊጠባ እታ ሃገር፡ ነቲ ኩነታት ንምዝላቕን መንግስታዊ ትሕዞ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብፍላይ ድማ ዶላር ኣመሪካ ንምዝያድን እቲ ወጽዩ ዘሎ ሓድሽ መምርሒ ኣገዳሲ ምዃኑ እዮም ዝምጉቱ።
ኤርትራዉያን ኣዉፈርቲ ቀሊል ንዘይኮነ ክፋል ሃገራዊ ቊጠባ ደቡብ ሱዳን ከምዝጸልዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሃንደበት ብዝኽሰቱ ጸጥታዊ ስግኣታትን ብዝተእኣታተዉ ቊጠባዊ ፖሊሲታትን ብቐጥታ ክጽለዉ ከምዝረኣዩ ናይ ቀረባ ተዕዘብቲ ይሕብሩ።
ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኩሉ ናይ ንግዲን ወፍርን ዕድላት ምስሰኣኑ ናብ ሃገራት ኡጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላን ካልኦት ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃን ከውፍሩ ይግደዱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቆንስላትን ህግደፍ ንመሰልን ድሕነትን እቶም ዜጋታት ኣብ ምውሓስ ዝኾነ ተበግሶ ክወስዳ ስለዘይረኣያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሑ ቊጠባዊን ኣካላዊን በደላት ብዘይ ተመልሶ-ሕጊ ይዛይዱ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።