ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል ግብረ ሰናይ ከምዝሓበሮ ልዕሊ 8,400 ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ይገልጽ።

Save the children ዝተባህለ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ወይ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ፈቲኖም።ካብዚኦም እቶም 8,468 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ወይ ከምዝጠፍኡ እቲ ትካል ሓቢሩ።

 

እቲ 40 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፡ “ዑቕባ ኣብ ዶባት ኤውሮጳ መጥቃዕቲ ይወርዶ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ክዳሎ ከሎ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዓመጽ ስርዓታዊ ብዝመስልን ኣገባብ ይፍጸም ኣሎ ክብል እውን ወቂሱ ።

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ካብ ሞሮኮ ናብ ስጳኛ ክበጽሑ ዝፍትኑ ስደተኛታት ተታሒዞም ንድሕሪት ይምለሱ ከምዘለዉ ጠቂሱ ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት እዉን ካብ ግሪኽ ናብ ቱርኪ፤ ከምኡ’ውን ካብ ጣልያን ናብ ሊብያን ቱኒዝያን ብግዴታ ይምለሱ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሩ ።

እቲ ትካል ግብረ ሰናይ “ንገለ ውሑስ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ እውን ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ስደተኛታት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዩክሬን ዝመጹ ስደተኛታት ብምንጺጻር “ድርብ መለክዒ” ኣለወን ክብል ከሲሱ።

ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሰበስልጣን ሊብያን ሓለዋ ባሕርን ደፊአን ናብ ገማግም ባሕሪ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክኣስሩን ክዓግቱን ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ።ካብዚኦም ልዕሊ 24,680 ሰባት ተዓጊቶም ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱን ኣብኡ ድማ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ከምዝተኣስሩን ትካል ስደት ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።