ትሕተ-ቅርጺ ኣገልግሎታት ጥዕናን ቀረባት ሕክምናን ሃገርና ኪዓኑ ገይሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ብገንዘቦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኪሕከሙ ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ብዝምልከት ዝኽተሎም ተረርቲ መምርሒታት መሊሱ የኽርሮም ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ፈለማ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝቖመት 5 ዝኣባላታ ቦርድ፡ ንኣድላይነትን ህጹጽነትን ጠለባት ሕሙማን ንምርግጋጽ፣ ምንጪ ሕክምናዊ ወጻኢታቶም ካበይ ከምዝኾነ ድማ ንምፍላጥ ዘኽእል ቅጥዒ ወይ ፎርም ንይምሰል ከምትቕርብ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፡ ሕሙማት ነቲ ቅጥዒ መሊኦም ናብ ምምሕዳር ከባቢኡ ይወስድዎ እሞ ብቑዕ ኮይኑ ኣንተተረኺቡ ካብ ምምሕዳሮም መሰነይታ ተዋሂብዎም ጉዳዩም ናብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት
ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ – ሕሙም ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ክሕከም ይፍቀዶ ድዩ ይንፈጎ ኣብ ዝብል ዉሳነ በይናዊ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሃገራዊ ድሕነት ዝተፈቕደሉ ዜጋ ጥራይ እዩ ካብ ክፍሊ ኢሚግረሽን መውጻኢ ቪዛ ዝፍቀዶ።
እዚ ኹሉ ኣሰልካዪን ኣድካሚን መስርሕ እንዳተሓልፈ እዉን እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤትጽሕፈት ዝዛውኑ ሕሙማት ልዑል መጠን ብላዕን መቚሽሽን ኪኸፍሉ እንተዘይክኢሎም ጉዳዮም ከምዘይሰልጥ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ንኣብነት ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢሚግረሽን ኤርትራ ክቱር ብልሽዉና ገኒኑ ምህላዉ ተራ ኣባላት እቲ ክፍሊ ዛሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንወኪል ኤሪሳት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣቃሊዖም ነይሮም።
ንሶም ኣብ ሓበሬታእኦም፡ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ኢሚግረሽን ፣ ንጠለባት ፓስፖርት፣ ቪዛን ካልእ ስነዳት መገሻን፡ ልዑል መጠን ገንዘብ ኽቕርቡ ንዝኽእሉ ተገልገልቲ ጥራይ ክፉት ይገብርዎ ከምዘለዉ እዩ ኣመልኪቶም።
ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢሚግረሽንን ላዕለዎት ኣካየድቲ ናይተን ካብ ዉሽጢ ሃገር ብዝተፈላለዩ ዉልቃዊ ጉዳያት ንዝገሹ ዜጋታት ፍቓድ ዝህባ ክፍልታትን ጥቡቕን ረቂቕን ናይ ረብሓ ዝምድናታት ማዕቢሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ኣባላት ፣ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሓለፍቲ ኢሚግረሽንን ቦርድ ሚኒስትሪ ጥዕናን ዘሎ ናይ ረብሓ ዝምድና ሕልፍ ዝበለ ምዃኑ እዮም ነጊሮም።
ኣብ ሃገር ሰሪቱ ብዘሎ ውድቀት ጥዕናዊ ትሕተ-ቅርጺ ተሸጊሮም ናብ ወጻኢ ከይዶም ኪሕከሙ ዝጠልቡ ዜጋታት ፣ ብላዕን ግቦን ንሓለፍቲ ቦርድ ሚንሲትሪ ጥዕና ምስ ዝህቡ ሻቡ ጠለቦም ቅቡል ኮይኑ ናብ ኢሚግረሽን ከምዝለኣኹን ኣብ ኢሚግረሽን እዉን ተመሳሳሊ መጠን ግቦ ሂቦም ናይ ፓስፖርትን ቪዛን ኣገልግሎት ክረኽቡ ከምዝግደዱን እዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ኣብ ሃገር ዝበቅዕ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ዘይክሉ ዜጋታት ፣ ኣብ ኣፈሞት ምስ በጽሑ ጥራይ ካብ ሃገር ወጽዮም ኪሕከሙ ከፍቅደሎም ስለዝርአ ፣ ሞት ሕሙማትና ይዛይድ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ብቐጻሊ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።