ኣስታት 80 ስደተኛታት ኣጸፋጺፋ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ብዙሕ ከየርሓቐት ብምጥሓላ ናይ 73 ሰባት ደሃይ ጠፊኡ ምህላዉ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ብ15 ለካቲት ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ድሮ ሬሳ ናይ 11 ሰባት ተኣኪቡ እኳ እንተሎ ናይ’ቶም ዝተረፉ ካልኦት ደሃይ ብዘይምህላዉ ሞይቶም ኪኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ኣረዲኡ።
ሰራሕተኛታት ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ከምዝሓበርዎ፣ ካብታ ዝጠሓለት ጃልባ ሸዉዓተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ከምዝወጽኡ እዩ።
እቲ ብ14 ለካቲት ከምዘጋጠመ ዝተነግረሉ ሓደጋ፣ ኣብዛ ካልኣይቲ ወርሒ ነልዕለላ ዘለና ዓመት እቲ ዝለዓለ ህልቂት ስደተኛታት ዘስዓበ ከምዝኾነ እዉን ይንገር።
ብመሰረት ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ ኣስታት ኣርብዓ መዓልታት ጥራይ ብውሑዱ ህይወት 130 ሰባት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 24,234 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከም ዝስኣኑንን ደሃዮም ከምዘይተረኽበን እዩ ዝንገር ዘሎ ።
ሰነዳት ትካላት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ እዉን ፣ ኣብ 2022 ጥራይ ዛጊት ህይወትን ደሃይን ኣስታት 1,400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ።
ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ንሊቢያ ከም መሳገሪ መስመር ዝመርጽዋ ኮይኖም ፡ እንተኮነ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ኣዚዮም ከምዝሽገሩን ፡ ክሃድሙ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብሰበስልጣን ወይ ሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብታ ሃገር ከምዝምለሱ ዩ ዝንገር ።
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከምዘለዉን፡ ናይ ምምላጥ ዕድላት ውን ስለዘይረክቡ ፡ ብዕጡቓት ጉጅለታትን ሰበስልጣናትን ንናይ ምዝመዛ ሓደጋ ተቃሊዖም ምህላዎ እዩ ዓመታዊ ዝጽብጽብ።
ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም ስነዳት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።