መስርሕ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወግዒ ጀሚሩ ከምዘሎ ነቲ መስርሕ ኪትመርሕ ብእዋናዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተጣዪሳ ዝተባህለት 9 ዝኣባላታ ኮሚቴ ሓቢራ።
ነታ ኮሚተ ዝመርሕ ዘሎ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ፣ እቲ መስርሕ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ ክዉዳእ ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ።
ነቲ መስርሕ ክትመርሕ ቆይማ ዘላ ኮሚተ፣ ሰሰለስተ ሰባት ካብ ህወሓት፡ ስራዊት ትግራይን ምሁራት ኣካላትን ዝተዋጽኡላ ኮይና፣ ኣብ ምምራጽ ኣባላት እታ ኮሚቴ ንዘሎ ዕጽዉነት ድሮ ካብ ሓያለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ትግራይ ዘይዕግቡነት ክማዕ ጀሚሩ ኣሎ።
እታ ኮሚቴ፣ ምስ ህዝቢ፣ ምሁራት፡ መራሕቲ ፖለቲካዉያንን በርጌሳዉያንን ኣካላት፣ ሰራዊት ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ክምኡ’ዉን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተጋሩን ኪትመያየጥን ሓሳብ ክትእክብን ምዃና ዝሓበረ ጀነራል ታደሰ ፡ ምስ ዘሎ ሕጽረት ግዜ ግን ነዚ ኹሉ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ብድሆታት ከጋጥም ከምዝኽእል ኣይሓብአን።
እቲ መስርሕ ካበይ ጀሚሩ ብኸመይ ከምዝጻፈፍ ኣብ ዝብል ጉዳይ፣ ብቐንዱ ድማ እቲ ዝቐዉም ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ቅቡል ኪኸዉን እንታይ ዓይነት ቆመና ኪዉንን ከምዝግደድ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ህወሓት ነቲ መስርሕ ኣብ ረብሓኡ ንምዉዓል ይጓየ ከምዘሎ ዝኸሳ ፖለቲካዉያን ዉድባት ትግራይ ፡ ድሮ ነታ ቆይማ ዘላ ኮሜተ ዝመርሑ ኣባላት ኣብ ምርቋሕ ዝተራእየ ወገናዉነት ኪነቕፉን እቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ እወታዊ ዉጽኢት ከምዘይርከቦን ክምጒታ ጀሚረን ምህላወን ይንገር።
እቲ ዝቐዉም መሰጋገሪ መንግስቲ ንዝገዘፈ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝዉክልን ፡ ኣብ መጻኢ ቀዋሚ ክልላዊ መንግስቲ ንኽምስረት ውሑስ ደሞክራስያዊ ባይታ ዘንጽፍን ኪኸዉን ኣለዎ ዝብላ እተን ዉድባት፡ በቲ ጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ግን ህዉሓት ካልእ ተምሳል ሒዙ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ጸላዊ ሓይሊ ኮይኑ ኽቕጽል ልዑል ተኽሎ ከምዘሎ እየን ዝገልጻ ዘለዋ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ባጀት ክስልዕን ህዝባዊ ኣገልግሎታት እታ ክልል ብስሩዕ ኪቕጽሉ ዘኽእሉ ደገፋት ኪቕርብን እንተኾይኑ፣ ንግዜኡ ኣስራሒ እዩ ዝብል መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክርኢ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ድማ መስርሕ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ክልል ንብዙሕ ጠለባትን ሕቶታትን ህዝቢ እኹል ምላሽ ከይሃበ ብታህዋኽ ክዛዘም የገድድ ምህላዉ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።