ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወስዶ ኣልማሚ በደልን ግህሰትን ኣሐይሉ ይቕጽሎ ምህላዉ ዳይረክተር ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ሊቲሽያ ባድር ገሊጻ።
ንሳ ምስ ተለቪሽን ኤሪሳት ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት፡ ህግደፍ ነቶም ናይ ክተት ኣዋጁ ዘይተቐበሉ ዜጋታት ንምግዳድ ንወለዶምን ስድራቤቶምን ብኣልማማ ኪቐጽዕን ከጋፍዕን ምጽንሑ ዘረድእ እኹል ሓበሬታ ካብ እሙናት ምንጭታት ከምዘሎ እያ ጠቒሳ።
ትካላ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ወርሒ’ዚ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ነዚ ሓቂ እዚ ዘጋልጽ ምዃኑ ዘገንዘበት እታ ዳይረክተር፡ እቲ ስድራቤታት ናይ ምፍንቓልን ምንግልታዕን ወፍሪ ገና ይቕጽል ከምዘሎ እያ ኣተሓሳሲባ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ እዚ ሰዓት እዚ ንኩነታትን ኣበየ-ህላዌን እቶም ንልዕሊ 21 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዝምልከት እኹል ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝጠቐሰት እታ ዳይረክተር፡ ኣብ ኤርትራ ኩሉዓይነታዊ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ግን ትካላ ብቐጻሊ ካብ ዝእክቦ ሓበሬታ እኹል ርድኢት ከምዘለዎ ኣብሪሃ።
ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ብጉዳይ ኤርትራ ዘውጽኦም ጸብጻባት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ገሃሲ ስርዓት ኣህጉራዊ ጸቕጢ ንኽፍጠር ዛጊት ዝተጻወትዎ ተራ ኣሎ’ዶ ንዝብል ሕቶ ክትምልስ እንከላ እታ ዳይረክተር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነቶም በብወቕቱ ዝወጽኡ ጸብጻባት ብኹድኖም ኽነጽጎም እምበር ብኸመይ መርትዖታት ክምዝነጽጎም ክምጒት ከምዘይመርጽ ጠቒሳ፣ እቶም ዝወጽኡ ጸብጻባት ግን ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኲነትታት እኹል ርድኢት ሑዚ ንምፍታሑ ብተገዳስነት ክጽዕት ከምዝሕግዙ ኣገንዚባ።
ከም’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝመስሉ ስርዓታት ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት መናብር ኪሕዙ ምርኣይ ኣብ ምዉሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ምቅላስ ኩሉዓይነታዊ ግህሰታትን ዓለምና ርኡይ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ምህላዎም ዘዘኻኸረት ሊቲሽያ ባድር፣ ሕቡራት ሃገራት ንኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት መሰረታዊ ምትዕርራይ ኪገብር ትካላ ቀጻሊ ምሕጽንታታት የቕርብ ምህላዉ ሓቢራ።
ኲናት ትግራይ ዝጠንቊ ግህሰታት ከመይ ከምዝመስልን ትካላ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽብጻብ ዛጊት ዝዓመሞ ዕዮን ኣብ ዝተሓተትሉ እታ ዳይረክተር ፣ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ከም ኩሎም ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቚ ትካላት ፣ ኣብ’ቲ ኲናት ካብ ዝነኣሱ በደላት ክሳብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነትን ዝኸዱ ግሰታት ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ጠቒሳ፣ ኣብቲ ኲናት ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ድዩ ኣብ ዝብል ግን ዕቃበታት ከምዘሎ እያ ሓቢራ። ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን ንምርግጋጽ ዕቱብን ባይታኣዉን መጽናዕቲ ከምዝሓትት እዉን ኣይሓብአትን።
እንተኾነ ኩሎም ተራጸምቲ ሓይልታት እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ሰባትን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ጭዉያ ክሳብ መቕተልቲ ዝዝርግሑ በደላት ምዉራዶም ኣረዲኣ ኣላ።
ክቡራት ተኸታተልትና ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ዳይረክተር ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣፍሪቃ ሊቲሽያ ባድር ዝተኻየደ ቃለ-መሕትት ተርጒምና ኣብ ቀረባ እዋን ከነካፍሎ ምዃና ክንሕብረኩም ንፈቱ።