ምስ ኢቦላ ዝተኣሳሰር ቀታሊ ቫይረስ ተባሂሉ ዝግለጽ ማርቡርግ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኢኳቶርያል ጊኒ ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም 16 ሕሙማት ድማ ምልክታት ሰዓል፡ ድኻምን፡ ተምላስን ከም ከምዝተራእዮም ተፈሊጡ ኣሎ ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንምሕጋዝ ክኢላታት ሕክምና፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዝኸውን መከላኸሊ መሳርሒታት ከም ዝልእኽ ኣረጋጊጹ።

ዉድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ናይ ፈተነ ማእከል ፡ ነቲ ቫይረስ ድሕሪ ምርካቡን ምዕዛቡን እዩ ነቲ ለበዳ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ካብ ሓደ ናይ ከባቢ በዓል ስልጣን ጥዕና ድሕሪ ምልኣኹ ዘጋጠመ እዩ።

ቫይረስ ማርቡርግ ከም ኢቦላ ካብ መንካዕ ከም ዝተበገሰ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብቶም ዝተለኽፉ ሰባት ብቀሊሉ ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ከምኡ’ውን ብምትንካፍን ክዳን ናይ ዝሓመመ ሰብ ብምልባስ ብቀሊሉ ክማሓላለፍ ከምዝኽእል ይሕበር።

እቲ ሕማም፡ ኣካላትና ኣማህሚኑ ከም ውጽኢቱ ድማ ምፍሳስ ደም ከስዕብን ዝኽእል ሓደጋኛ ተርዮ ምዃኑ ማእከላት ምቁጽጻር ሕማማት ኣመሪካ ገሊጾም።

ማርቡርግ ቫይረስ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እንስሳታትን ክዝርጋሕ ስለ ዝኽእል ፣ ምስቶም ሽዱሽተ ዓይነታት ቫይረስ ኢቦላ ከምዝጽብጸብ እዩ ዝግለጽ ። እቲ ሳሕቲ ዝረአ ሕማም ኣብ መጀመርታ ኣብ 1967 ኣብ ማርቡርግ ጀርመን ኣብ ዝርከባ ቤተ-ፈተነታት ከምዝተራኣየን ኣብ ሓጺር እዋን ከቢድ ዝኾነ ለበዳ ድሕሪ ምስዓቡ ኣብ ቤልግሬድን ሶርያን ሞት ናይ 7 ሰባት ከምዘስዓበ ይንገር።