ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜያት ነቲ ኲናት ብትብዓት ዝተቛወመን ንሰላም ዝጸዉዐን ስነጥበበኛ ታሪኩ ጋንኪሲኪ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት ናብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝበጽሓሉ ብነበርቲ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
እቲ ዲሽታጊና ብትብል ንጽል ደርፉ ኣብ ሓጺር እዋን ህቡብነት ዘጥረፈ ደራፋይ በቲ ኣንጻር ኲናት ዝወሰዶ መርገጺ ካብ ሓያለ ኢትዮጵያዉያን ብዙሕ ዘለፋን ተነጽሎም ኣጋጢምዎ ምንባሩ ይፍለጥ።
ስነጥበባዊ ታሪኩ ነቶም መጋበርያ ኲናትን ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ኪኾኑ ዘይሓንኩ ስነጥበበኛታት ተግባራዊ ትምህርቲ ዘቕሰመ ኮይኑ፣ ሕጂ እታ ዝጽዉዓ ዝነበረት ሰላም ኣብ ትመጸሉ ዘላ እዋን እዩ ብዘይፍርሂ ናብ ከተማ መቐለ በጺሑ ምስ’ቲ ወዲ ሃገሩ ዝኾነ ትግራዋይ ዝተሓቛቘፍ ዘሎ።