ካብ 15 ክሳብ 17 ለካቲት መበል 42 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ዘቃንዑ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ነታ ኣህጉር ቀዳማዊ ኣተክሮን ፍታሕን የድልዮም ‘ዩ ዝበሃለሎም ዛዕባታት ብምዝታይ ነቲ ካብ ሎሚ ቀዳም ክሳብ ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ ዘሎ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ባይታ ኣንጺፎም።

ኣብቲ ካብ 17 ክሳብ 18 ለካቲት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ድማ፣ ሰሪቱ ዘሎ ደርቂን ጥሜትን ከምኡ’ዉን ጸጥታዊ ሽግር እታ ኣህጉር ንምፍታሕ ዓጸፋ ክሰረሓሎም ኣብ ዘድሊ ኣማራጺታት ሰፊሕ ምይይጥ ይግበር ምህላዉ ነቲ ዋዕላ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘሎ ወገናት ኣረዲኦም።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት እቲ ሕብረት ዝካየድ ዘሎ እቲ ዋዕላ ፡ ሓያለ መራሕቲ እታ ኣህጉር ይሳተፍዎ ምህላዎም ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ እተን ኣብዚ ኣህጉር ተወዳዳሪ ህላዌን ጽልዋን ከረጋግጻ ልዕሊ ካል እዋን ፖሊሲታተን ከሐድሳን ዝምድናታተን ከሐይላን ዝጓየያይ ዘለዋ ኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረትን እዉን ላዕለዎት ወከልተን ኣሳቲፈን ኣለዋ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብፍላይ ነቲ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ኣህጉር ጠንቂ ገዘፍቲ ሰብኣዊ ቅልዉላዋት ዝኾኑ ዘለዉ ኲናትን ደርቂን ነባሪ ፍታሕ ክርከበሎም ንኽከኣል፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ልዑል ገንዘባዊ ደገፍ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ኣብ ምቕናዕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሉ ይነጥፍ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ሃገራት ምዕራብ ነዚ ጠለብ እዚ ብቕልጡፍ ከማልኣ እንተዘይክኢለን ኣብታ ኣህጉር ዝተዕጻጸፍ ዘሎ ኩሉዓይነታዊ ህላወን ጽልዋን ሩስያን ቻይናን ካብ ቊፅረን ወጻኢ ከምዝኸዉን ነጺሩለን ከምዘሎ እዮም ዝትንትኑ።

ሃገራት ምዕራብ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘርይኦ ኩሉዓይነታዊ ህልኽ ይንህር ኣብ ዘለወሉ እዋን ፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ ከም መመሳኸሪ ዕብለላ እቶም ወገናት ኪትከዉን ትርአ ምህላዋ ዝሕብሩ ሓያለ ፖለቲካዉያን ተንተንቲ፣ ኣካይዳታትን ድሌታትን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ህልኽ እቶም ክልተ ገዘፍቲ ደምብታት ከይጭወ ልዑል ስግኣት ከምዘሎ እዮም ዝዛረቡ።