ላዕለወይቲ ልእኽቲ ተዓዘቢት እስራኤል ሎሚ ሰንበት ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝነበረ ዋዕላ  ሕብረት ኣፍሪቃ ከይትሳተፍ  ተኸልኪላ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ምክትል ዳይረክተር ክፍሊ ኣፍሪቃ ሳሮን ባርሊ ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ናይቲ ንኽልተ መዓልታት ዝቐጸለ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብቲ ኣኼባ ተኸልኪላ ክትወጽእ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ሓደ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ “ክትወጽእ ዝተሓተተት” ውልቀ ሰብ ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፍ ከምዘይተዓደመትን፡ እቲ ዕድመ ንኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣሌሊ ኣድማሱ ጥራይ ከምዝተዋህበን ሓቢሩ።

እስራኤላዊት ጋዜጣ ሃሬትዝ፡ ስሞም ዘይተጠቀሰቶም ዲፕሎማስያውያን ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ብምጥቃስ፡ ባርሊ ኣብቲ ዋዕላ ክትሳተፍ ግቡእ ፍቓድ ከምዝተዋህባን፡ ዳግማይ ክትሳተፍ  ዘኽእል ዘተ ይካየድ ከምዘሎን ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እቲ ፍጻመ ብ”ጽንፈኛታት ሃገራት” ኣልጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝድረኽ ምዃኑን፡ እተን ሃገራት ነቲ ሕብረት “ጅሆ ሒዘን”  መሳርሒ ኢራን  ኮይነን ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ።

ቀጺሉ   እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጻር እዚ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንኣህጉር ዓለምን ዝጎድእ ተግባራት ክቁጠብ ከምዘለዎ እውን ጸዊዑ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ቪንሰንት ማግዌንያ ብዛዕባ ክሲ እስራኤል ምስ ተሓተተ  ጭብጢ ዘይብሉ ሓበሬታ እዩ ክብል ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ። ብወገን ኣልጀርያን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ እዚ ብምንግስቲ እስራኤል ዝቀረበ  ክሲ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን ዘለዉ ።

እስራኤል ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ 2021 ሓደ ተዓዛቢ ናብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብሮ ኣኼባታት ክትሰድድ ምጽናሓ ዝዝከር እዩ ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ተራ ሒዛ እኳ እንተነበረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2002 ምስ ተበታተነን ብሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ተተክአን ግን ዳግማይ ናብ ቦተኣ  ንምምላስ ኣብ እትገብሮ ዝነበረት ፈተነታት ብተደጋጋሚ ክትፍሽል ጸኒሓ እያ።

ኣልጀርያ ዝሓለፈ ዓመት ናይ እስራኤል ናይ ተዓዛቢ ደረጃ ንምስራዝ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት መሪሕ ተራ ካብ ዝተጻወታ ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝሕብርዎ ፡ 70 ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝኾና ኤምባሲታትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብቲ ውድብ ተፈላጥነት ዘለወን እየን።