መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ትግራይ፡ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ካብ ቤተ ክህነት ኤትዮጵያ ዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዘይቕበልዎ ገሊጾም። ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያናትን ምእመናንን ቅትለትን ግህሰትን ከም ዝተፈጸመ እውን ይግለጽ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ግፍዕን ግህሰትን ብዝምልከት ዝኾነ ተቓውሞ ብዘይ ምስማዓ ቅረታ ከምዝተሰመዖም ዝገለጹ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ። ነዚ ስዒቡ ሃይማኖታውያን ኣቦታት ትግራይ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተፈልዮም ሃገረ ስብከት ትግራይ ንምቛም ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከጋጥም ከሎ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ መስጊዳተን ዝተፈላለዩ ኣመንቲን’ውን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ገለ ወገናት ይሕብሩ።
ኣብ ኩናት ስሜን ኤትዮጵያ ተወሊዕሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቶም፡ ቃሎም ንከየስምዑ ‘ተዓፊኖም’ ምጽንሖም ዝጠቀሱ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ፣ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ ” ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ ክበጽሕ ከሎ ትም ኢሉ ምዕዛቦምን ከምዘታሓሳሰቦ ክገልጽ ከሎ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ናይ ባዕሎም ቤተ ክህነት ክምስርቱ ምኽኣሎም ሓቢሮም ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ትግራይን እቲ ግጭት ከብቅዕ ኣብ ስምምዕ ምስተበጽሐ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ዳግማይ ርክብ ንኽጅመር ምሕታታ ዝዝከር እዩ።
ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዘቕረበቶ ሕቶ ብኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እቲ ዝወጽአ ሓበረታ የመልክት።
ብመሰረት እቲ ላዕለዎት ኣቦታት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝፈረሙሉ ሽዱሽተ ገጻት ዝሓዘ ደብዳበ፡ ካብ ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝቐረበሎም ሕቶ እውን ኣይተቐበሉን ዘለዉ።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ኣብያተ ክርስቲያናትን እቲ ክልል “ጭፍጨፋን ዕንወትን” ክፍጸም እንከሎ ስለዘይተቓወመት ከም ዝኾነ እቲ ደብዳበ ይገልጽ። ብሰንኪ እዚ፡ “መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን” ብዝብል ሃገረ ስብከት ከም ዘቖሙን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ክልልን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ሰዓብቲ እምነት ዝተቐበልዎ ብምዃኑ ብዝጀመርዎ መንገዲ ከም ዝቕጽሉ ሓቢሮም።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ዝተወሃበ መልሲ ብዝምልከት ዝኾነ መልሲ ኣይሃበትሉን ዘላ።