ምንግስቲ ጀርመን ንስደተኛታት ዝህቦ ዝነበረ ገንዘባዊ ደገፍ ክቅንሶ ከም ዝወሰነ ብመንገዲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ኣኼባ ዋዕላ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። ቀጺሉ እውን እቲ ንስደተኛታት ዝግበር ዝነበረ ሓለፋታት እውን ገደብ ክግበረሉ ከምዝኾነ እውን ኣስሚሪሉ ኣሎ ።
ኣብ መላእ ጀርመን ዝርከባ ዘይምንግስታውያን ማሕበራት ኣቀዲመን ምንግስቲ ጀርመን ንብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ግምት ብምእታው ባጀትን መንበሪ ኣባይትን ከዕቢ ይጽውዓ ምንባረን ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ሕጂ ብምንግስቲ ጀርመን ዝተወስደ ስጉምቲ ኢሰብኣዊ እዩ ብምባል ኮኒነኖኦ ኣለዋ።
ኣብ’ቲ ብሓሙስ 16 ለካቲት ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ስደተኛታት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ናንሲ ፋይዘር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ምንግስቲ ጀርመን ኣብ’ዚ ዓመት ኣቐዲሙ ቃል ዝኣተወሉ 2.75 ቢልዮን ዩሮ ማለት 2.93 ቢልዮን ዶላር ክቅንሶ ምዃኑ ገሊጻ ኣላ ።
ሓላፊ ግዝኣት ማእከላይ ጀርመን ነዚ ሄሰ ፒተር ቤውት ነዚ ብመንገዲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ዝተዋህበ መግለጺ ድሕሪ ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታት በዚ ዝተዋህበ መግለጺ ስሚዒታቶም ብኣሉታ ከይትንከፍ ዘስግእ እዩ ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ።
ሓላፊ ማሕበር ኣውራጃታት ጀርመን ራይንሃርድ ሳገር፡ ነቲ ዋዕላ ስደተኛታት ተስፋ ዘቑርጽ ብምባል፡ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብቲ ኣኼባ ዘይምስታፉ ብትሪ ነቒፉ። ንሱ ቀጺሉ “ንስደተኛታት ማእከል ዝገበረ ብህጹጽ ሓገዛት የድልየና ኣሎ” ክብል ሓቢሩ ኣሎ ።
ግዝኣታት ጀርመን ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ከምዘለዋን ክገልጻ ምጽነሐን ዝዝከር ኮይኑ ብመንጽር ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስደተኛታት ምንግስቲ ጀርመን ኣብተን ግዝኣታት ዕቱብ ቆላሕታን ሓገዝን ብዘይ ምንግባሩ ቅረተኦም ገሊጾም ።
ብመሰረት ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታቲክስ ስደተኛታት ጀርመን ፡ ኣብ 2022 ጥራይ ካብ ዩክሬን ዝመጹ ኣስታት 962 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝተቀበለ ክገልጽ ከሎ – እዚ ኣሃዝ ካብቲ ካብ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ብድምር ኣብ መንጎ 2014ን 2016ን ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ ። ጀርመን ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣብዘሎ ግዜ ኣስታት 834 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝተቀበለት እዩ ዝገልጽ ስታቲክስ እታ ሃገር።