ምክትል መራሒ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ዝኾነ መሓመድ ሓማድ ዳጋሎ (ሓመቲ) ፣ ድሕሪ ምዕላዉ ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሓድሽ ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዝተወስደ ካልኣይ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፍጹም ጌጋ ምንባሩ ደጊሙ ሓቢሩ።

እቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ኣብዚ ቅንያት ብተለቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልኽቱ፣ እቲ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ካልኣይ ዕልዋ ንተደናገጽቲ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዳግማይ ክወዳደቡን ፖለቲካዊ ጽልዋ ከራጒዱን ዕድል ከምዝፈጠረ እዩ ኣብሪሁ።

ሓመቲ ብዛዕባ እቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ተመሪሑ ዝተኽየደ ካልኣይ ዕልዋ ብተደጋጋሚ ዘይዕግብነቱ ኪገልጽ ምጽንሑ ይንገር። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ናይ 2022 እዉን እቲ ካልኣይ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፡ ኣብ ሃገር ለዉጢ ኣብ ምርግጋጽ ከምዘይተዓወተን፡ ከምቲ ዝተነበረሉ ተስፋ ዘነይት ለዉጢ ከመዝግብ ከምዘይከኣለን ተኣሚኑ ነይሩ።

ብወተሃደራዊ ወገን ተዓብሊሉ ዘሎ እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ፣ ፖለቲካዉያን ሓይልታት እታ ሃገር ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ እንተበጺሐን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንድሌት ህዝቢ ሱዳን ከኽብር ምዃኑ ዘነጸረ ሓመቲ፡ እተን ሓይልታት ኣብ ዘተኣማምን ስምምዕ ኣንተበጺሐን እቲ ወተሃደራዊ ወገን ኢዱ ክስሕብ ከምዝኾነ እዉን ክሕብር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሰጋገርን ወተሃደራዊ ወገን ሱዳን ነቲ ስግግር ኣብ ምቅልጣፍን ካብ ፖለቲካ ኢዱ ኽስሕብ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነቲ ስግግር ኣብ ምዕዋት ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ወገን ምድንጓይ ይፈጥር ከይህሉ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ስክፍታኦም ዝገልጹ።

ሓመቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መግለጺኡ፡ “ሓሲብናዮም ዝነቀልና ዕላማታት ኣብ ምዉቃዕ ሕጂ ኪዛረበሎም ብዘይደሊ ምኽንያታት ክንዕወተሎም ኣይከኣልናን” ዝበለ እቲ በዓል ስልጣን፣ “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ከነስምሮ ዝሃቀንና ለዉጢ ኣይተሳኻዓልናን” ክብል እዩ ተሰሚዑ።

ንሱ ወሲኹ፣ ኣብ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብብረታዊ ግብረመልሲ ኣባላት ጸጥታ ናይ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት መንእሰያት ተሓተቲ ንሕና ባዕልና ኢና ክብል እዉን ተኣሚኑ እዩ።

ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፡ ወተሃደራዊ መራሒ እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ወተሃደራዊ ወገን ሱዳን ኣብ’ቶም ሲቪላዉያን ሓይልታት እታ ሃገር ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ዘካይድኦም ዝርርባት ጣልቃ ከምዘይገብር ገሊጹ እዩ።

ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክሰጋገር ዝጽዉዓ ዘለዋ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ሱዳን ፣ ዕቱብ ምይይጣት ብምክያድ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ጎደና ዘምርሓ ኣማራጺ እንተምጺአን ፣ ሰራዊት ኣታ ሃገር ነቲ ኣማራጺ ኣብ ምዉሓስን ኣብ ምትግባርን ክሰርሕ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፣ እተን ሓይልታት ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኪቐዉም ኣብ ዘኽእል ኣማራጺ እንተዓሊበን፣ እቲ ሕጂ ዘሎ ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዕምሩ ከብቅዕ ከምዝኾነ እዩ ነጊሩ።