ላዕለዎት ኣባላት ኤሪሳት ብ18 ለካቲት ኣብ ዳላስ ብ19 ለካቲት ድማ ኣብ ደንቨር ኣብ ዝበጽሕሉ ፣ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዉያን ጽቡቕ ኣቀባባል ተገይሩሎም ኣርባሒ ናይ ምብህሃል ግዜ ከምዘሕለፉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት ኣቶ ሄኖክ ተኽለ ፡ ኤሪሳት ካብቲ ዝነቐለትሉ መሰረታዊን ማእከላይን ዕላማ ከይዘዘወት ንኹሎም ኤርትራዉያን ተቓለስቲ ፍትሒ ባይታ ንኽትከዉን ኣብ ጻዕሪ ከምዘላ ጠቒሱ፣ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ከም ኤሪሳት ዝኣመሰላ ሚድያታት ፍትሒ ብግቡእ ተረዲኡ ኩሉዓይነታዊ ደገፋት ከዛይድ ተላብዩ።
ኣቶ ሄኖክ ወሲኹ፣ ኤሪሳት ዕለታዊ ዝጎንፍዋ ብድሆታት እንዳመከተት ብኣዝዩ ውሑድ ዓቕሚ ሰብን ንኡስ ፋይናንስን ብኣማኢት ሰባት እዉን ኪዕመም ዝኸብድ ስራሕ ተካዉን ከምዘላ ብምዝኽካር፣ እታ ተለቪዥን ቀጻሊ ደገፍ ናይቲ እተገልግሎ ዘላ ህዝቢ እንተውሒድዋ ውሑስ ቀጻልነት ክህልዋ ከምዘይክእል ኣተሓሳሲቡ።
ኣደመንበር ኤሪሳት ዶክተር ሳባ ተስፋዮሃንስ ብወገና፣ ኤሪሳት ነቲ ኣብ ስደትን ዉሽጢ ሃገርን ኮይኑ ንፍትሒ ዝቃለስን ንሓርነት ዝጽበን ዘሎ ህዝብና ድንድል ንምዃን ብዘለዋ ትጽዕት ምህላዋ ጠቒሳ፣ እዚ ድልድል እዚ ኣመና ደልዲሉ ሓዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክሳብ ትመጽእ ኣብ ሞንጎ ኤሪሳትን ህዝብን ዝህሉ ዝምድና ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚባ።
ኣብ ክልቲአን ከተማታት ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንኣባላት ኤሪሳት ኣዝዩ ልዑል ኣቀባብላ ዝገበርሎም ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ርክባት ድማ ኤሪሳት ካብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ንክትዓቢ ዝክእላ፡ ሃናጺ ሓሳብን ርኢቶታትን ሂቢም። ንሶም ብተወሳኺ ነቲ ዘቅረብዋ ሕቶታትን ርእይቶታትን ካብ ኣካይድቲ ስራሕ ኤሪሳት ብዝተዋህቦም መልስታት ዕጉባት ሙዃኖም ብምግላጽ ኤሪሳት ካብዚ ዘላቶ ዝያዳ ንክትዓቢ ኣብ ጎና ብሙዃን ኩሉ ዓይነታዊ ሓገዝ ክገብሩላ ቃል ኣትዮም።
ብስርሓትን ትሕዝቶን ኤሪሳት ዝዓገቡ ደለይቲ ፍትሒ ዳላስ ንዕብየት ኤሪሳት ልዕሊ 11 ሽሕ ዶላር ክወፍዩ ከለዉ፡ ብተመሳሳሊ ደልይቲ ፍትሒ ደንቨር ልዕሊ 14 ሽሕ ዶላር ወፈያ ገይሮም። ብተወሳኺ ኣብ ክልቲአን ከተማታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ድለይቲ ፍትሒ ቀጻልነት ዘለዎ ሓገዝ ንምሕጋዝ ናይ ወርሓዊ ኣባልነት ቅጥዒ ብምምላእ ወርሓዊ ሓገዝ ንኤሪሳት ክገብሩ ተመዝጊቦም።
ኤሪሳት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ዑደት ተካይዶ ከምዘላ ይፍለጥ ። እዚ ካብ 18 ለካቲት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ብከተማታት ዳላስን ደንቨርን ጀሚሩ ፡ ን23 ለካቲት ኣብ ላስቬጋስ፡ ን25 ለካቲት ኣብ ኦክላንድ ፡ 26 ለካቲት ኣብ ሲያትል ፡ 4 መጋቢት ኣብ ኣትላንታ፡ ን5 መጋቢት ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተመሳሳሊ ርክብ ምስ ህዝቢ ከተካይድ እያ።