ኲናት ዩክሬን ጠንቂ ዓለማዊ ኲናት እንዳኾነ ይመጽእ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ርሰከተማ ኬቭ ናይ ዩክሬን በጺሑ ምስ መራሒ እታ ሃገር ምርኻቡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ጥርዚ ወኒኑ ዘሎ ምትፍናን ዝበኣሰ መልክዕ ኸየትሕዞ ተሰጊኡ።

ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ዝተሓደሰን ብጻዕቁ ካብ ዝሓለፉ ፍልይ ዝበለን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ ዘላ ሩስያ፣ ንመገሻ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከም ተሪር ፖለቲካዊ ስግኣት ከምእትወስዶ ዝሕብሩ ተንተንቲ፣ ኲናት ዩክሬን ዕለታዊ ካልእ መልክዕን ትርጉምን እንዳወነነ ንዓለምና ናብ ኣፋፌት ሳልሳይ ገዚፍ ኲናት ከይሸማ ይፍራሕ ምህላዉ ኣተሓሳሲቦም።

ካብ መገሻ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝዓቢ ኣሰካፊ ጉዳይ ግን ፣ ኣመሪካ M1-Abrams ዝዓይነተን 31 ዝተራቐቓ ታንክታት ንዩክሬን ክትህብ ምዃና ገሊጻ ብምህላዋ እዩ። እቲ ጉዳይ ፣ ብመንግስቲ ፑቲን ከም ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ስጒምቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከምዝዉሰድ እዩም ተነተንቲ ዘጠንቅቚ።

ብዘይካዚ ከም ጀርመን፣ ብሪጣንያ፡ ሽወደን ኖርወይን ካልኦት ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ዓቐመን ዘፍቅዶ ብዝሒ ታንክታት ንዩክሬን ክህባ ምዃነን ይሕብራ ኣለዋ።

ሩስያ ነቲ ንመንግስቲ ዩክሬን ንምዕጣቕ ዝርአ ዘሎ ምጉያይ ሃገራት ምዕራብ ንምስንባድ እዉን ናብ ዶባት ምብራቓዊ ዩክሬን ብሱፐርሶኒካዊ ቅልጣፈ ዝምርሑን ኑክሌሳዊ ቦምባታት ዝተሎግሞምን ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ከተቕንዕ ጀሚራ ምህላዋ ይንገር።

ኣመሪካ ፡ “ቻይና ንሩስያ ኣጽዋር ክትህብ ትዳሎ ኣላ” ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውጻኣ ካብ መንግስቲ ቤጂንግ ተዋሂቡ ዘሎ ግብረመልሲ እዉን፣ ቻይና ጸግዒ ሩስያ ሒዛ ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ ኣሎ። መንግስቲ ቻይና ብመንገዲ ሚኒስትሪ ናይ ወጻኢ ጉዳያቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ፡ ኣመሪካ ናብ ዩክሬን ኣጽዋራት እንዳጸፍጸፈት ንቻይና ክትከስስ ዝኾነ ሓይሊ ወይ ስልጣን ከምዘይብላ እዩ ኣጠንቂቑ።