ማሕበር ስነጥበበኛታት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ብወግዒ ተመስሪቱ። ኣብታ ሃገር ብስደት ዝነብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ድሕነቶም፣ ዕቤቶም፡ ተሰማዕነቶምን ደገፋቶምን ከውሕሱ ዘኽሎም መሰረታዊ ባይታ ብማሕበር ምዉዳብ ምዃኑ ብምግንዛብ እዮም ነቲ ስጒምቲ ስዒቦሞ።

እቲ ሓሳብ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ክሕሰበሉ ምጽንሑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቶም ስደተኛታት በብዝበቕዕሉ ሸነኻት ስነጥበብ ኣበርቲዖም ክሰርሑን እንዳተመላልኡ ኪዓብዩን ዘኽእል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ስራሖምን መደባቶም ንዝጎንፎም ሕጋዊ፣ ፊናንሳዊን ድሕነታዊን መሰናኽላት ንምዝላቕ ብማሕበር ኽጥርነፉ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምማን እዮም ነቲ ምስረታ ኣዐዊቶም።

ዝምርሕሉ ዓንደሕጊን ሰነድ መንግስታዊ ኣፍልጦን ክዉን ድሕሪ ምግባር ድማ ወግዓዉነት ማሕበሮም ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ካብፓላ ኡጋንዳ ብስደት ናይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ከምዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታትና፡ ብፍላይ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ቊጽሪ ብዝተዓጻጸፈ ናህሪ ይጎዪ ምህላዉ እዮም ዘረድኡ።

ኣብ ከተማ ካምፓላ ብኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝዉነና ናይ መዘናግዒን መዕረፊን ማእከላት ካብተን ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከባ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ከምዘይውሕዳ ዘመልክቱ እቶም ምንጭታት ፣ ጎድኑ ጎድኑ ኣብ ኡጋንዳ ዝፈርዩ ስነጥበባዊ ስራሓት ኤርትራዉያን ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ እዮም ዘረድኡ።

ብመሰረት ሰነዳት ክፍሊ ስደተኛታት ናይ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ይነብሩ።