ክልላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ቀረባ እዋን ንልዕሊ 15 ዝኾና ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምእጋዱ ካብ ዝተፈላለያ ተሓለቕቲ ነጻነት ፕረስ ከቢድ ዝኾነ ኩነኔ ይስዕቦ ኣሎ።

ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት CPJ ኣብ መርበባቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምንግስቲ ኤትዮጵያ ነዘን ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣሕዲግወን ዘሎ መድያታት ብቁልጡፍ ናብ ስርሐን ክመልሰንን ንመሰል ናጻ ፕረስ ከኽብርን ተማሕጺኑ ኣሎ።

ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ሰበስልጣን ምንግስቲ ኤትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ዝንቀሳቐሳ 15 ናይ ውሽጥን ወጻኢን ማዕከናት ዜና ስርሐን ከቋርጻ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ዝኾነ ናይ ደገ መድያ ኣብቲ ዞባ ንከይነጥፍ ከምዝኸልከለ እዩ CPJ ዝገልጽ ዘሎ።

እተን ማዕከናት ዜና ኣንጻር ምንግስቲ ኤትዮጵያ ዝቀንዐ ጎስጋሳትን ኣብ ባይታ ዘይነበረ ሓደገኛ ሓበሬታን የመሓላልፋ ኣለዋ ብዝብል ምኽንያት ምንግስቲ ኤትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ንኸይንቀሳቀሳን ስርሐን ንኸቃርጻን ከምዝሓበረን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ይገልጾ ከምዘሎ ግን ኣብ ልዕሊ እተን ማዕከናት ዜና ዝተመስረተ ክሲ ፡ ነጻነት ፕረስ ንምቕያድ ዝውጹ ጠቐነ ምዃኑን እተን ማዕከናት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ስራሐን ክምለሳ ክፍቀደለን ከምዝግባእን እዩ ኣተሓሳሲቡ።

ብ28 ጥሪ፡ ንማዕከናት ዜና ናይቲ ክልል ዝከታተል መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ፡ ንሰራሕተኛታትን ወኪላትን እተን 15 ማዕከናት ዜናን ኣብ’ታ ክልል ከይነጥፉ ምኽልካሉ እዩ ዝሕበር።

መደባተን ብቋንቋ ሶማሊ ዝፍንዋን ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ዋና ቤት ጽሕፈተን ዘለወንን፡ ቢቢሲ ሶማሊ፡ ካልሳን ቲቪ፡ ዩኒቨርሳል ቲቪ፡ ሆርያል ቲቪ፡ ኤሪያል ቲቪ፡ ሲቢኤ ቲቪ፡ ቀርኒ ገመድ ቲቪ፡ ኮኾብ ቲቪ፡ RTN ሶማሊ ቲቪ፡ STN ካብተን ተኸልኪለን ዘለዋ ማዕከናት እየን።

ኣቦ መንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ዝኾነ ዓብዱልራዛቅ ሓሰን፡ ንCPJ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መብዛሕትአን እተን መድያታት ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ናይ ስራሕ ወረቀት ከምዘይብሎምን ኮምኡ እውን ቤት ጽሕፈታት ከምዘይብሎም፡ ኣብ ክንድኡ ግን ምስቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ወከልቲ ከምዝሰርሑ እዩ ኣብሪሁ።

SRJA ዝተባህለ ሚድያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ምንግስቲ ኤትዮጵያ ፍቓድ ምሃብ ንነጻ መሻርኽቲ ንምዕጻው ከም መመኽነይታ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረን ብምሕባር ፡ ካብ 15 ሚድያታት ዝመጹ ጋዜጠኛታት ቅድሚ ሕጂ ካብ ክልላዊ መንግስቲ ሶማል ፍቃድ ረኺቦም ይንቀሳቐሱን ይሰርሑን ምንባሮም ኣዘኻኺሩ።

ሰራሕተኛታት እተን ዝተኣገዳ ማዕከና CPJ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፡ ቅድሚ ሕጂ ብሰበስልጣን እቲ ክልል ስራሕ ፍቃድ ከምዝተዋህቦም፡ ኮይኑ ግን ናይ ምንግስቲ ኤትዮጵያ ፍቓድ ንምርካብ ዝግበር ስጉምቲ ንጹር ከምዘይኮነን፡ እቲ ምእጋድ ድማ ብዘይ እኹል ሓበሬታን መጠንቀቕታን ከምዝተተግበረ ገሊጾም ኣለዉ።