ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መርማሪ ጉጅለ ኩናት ስሜን ኢትዮጵያ ንመስርሕ ሰላም እታ ሃገር ከዳኽም ከምዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቁ።

እቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምጽራይ ዘካይዶ ጻዕሪ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ከዳኽሞ ከምዝኽእል እዩ መንግስቲ ኤትዮጵያ ዘተሓሳስብ ዘሎ።

መንግስቲ ኤትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም እቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ትግራይ ዋላ’ኳ  ደው እንተ ኣበልዎ ኣብቲ ኩናት ርኡይ ዝኾነ ግህሰትን ዓመጽን ከምዝተፈጸመ ፡ ኩሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ድማ ተሓተቲ ምዃኖም እዩ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ጸኒሑ።

እቲ መራማሪ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ ጸብጻቡ፡ ናብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝቃረቡ በደላት ብኹሎም ወገናት ከምእተፈጸመ ዘመላኽቱ መርትዖታት ከምዝረኸበ ገሊጹ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ እቲ ኮሚሽን ስርሑ ከይቅጽል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣህጉራዊ ደገፍ ንምርካብ ዲፕሎማስያዊ መጥቃዕቲ እውን ጀሚሩ ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጥፈታት እቲ መርማሪ ጉጅለ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቆ ከምዝኽል ኣተሓሳሲቡ ኔሩ ።

እታ መርማሪ ጉጅለ ፡ ኣብቲ ካብ 3 ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዚኣጋታትን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ ዝበሃል ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከጽንዕ ብ17 ታሕሳስ ናይ 2021 ዝቆመ ኮይኑ፡ ብ2 መጋቢት 2022 ነቲ ጉጅለ ዘካይዱ ስለስተ ኣባላት ከምእተመዘዙ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ፈለማ ይቛወምን እቲ ጉጅለ እኹል ገንዘባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ከይረክብ ክዕንቅጽ ፈቲኑን ምንባሩ እንተኾነ ከምዘይሰለጦ ይዝከር።