ኣብታ ርእሰ-ምሕደራኣ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት መንግስትን ሚሊሻታትን ዝተወልዐ ግጭት ዕለታዊ እንዳበእኣሰ ጠንቂ ምፍንቓል ዓሰርታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ይኸዉን ምህላዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዞባ ላስ ኣኖድ ሶማሊላንድ ወጺኦም ናብ ኢትዮጵያ ዶሌ ዝተባህለ ከባቢ ዛጊት ናይ ዝኣተዉ ሶማላዉያን ኣስታት 80 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓበረ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፣ መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮ፣ ነፍሰጾራት ፣ ኣዴታት ከምኡ’ውን ህጻናት ምዃኖም የረድእ።

ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 1000 ሰባት ካብቲ ዓመጽ ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ ነይሩ። ብተወሳኺ ልዕሊ 180 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሶማሊላንድ ተመዛቢሎም ኣብ 66 መዓስከራት ከም ዝሰፈሩ ይፍለጥ።

ኣብ ሓያለ ከባቢታት ርእሰምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ሞንጎ ንምምላስ እታ ርእሰምምሕዳር ናብ ዓባይ ሶማልን ንፍጹም ምንጻልን ዝድግፉ ወገናት ዝጀመረ ግጭት ዕለታዊ ይብእስን ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ክይከይድ ክስጋእን ጸኒሑ እዩ።

ናይ ባዕላ መንግስቲ ተኺላ ንምሉእ ነጻነት ትጽዕት ምላዋ ዝንገረላ ሶማሊላንድ ካብ’ዚ ሕጂ ደሓን ዝኾነ ቆመና ወኒኑ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ዝተራቐቑ ጸቕጥታት ይመጻ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፣ እዚ ሕጂ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ዝብእስ ዘሎ ምትፍናን ዉጽኢት ናቱ ኪኸዉን ከምዝኽእልን፡ ማእከላይ መንግስቲ ሶማል ነቲ ጸጥታዊ ስክፍታ ኣመኽኒዩ ነታ ርእሰምምሕዳር ንምምላሳ ስጒምቲ ኪወስድ ተኽእሎ ምህላዉን ክግመት ቀንዩ እዩ።