ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ቅልውላው ስደት የንጸላሉ ምህላው ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለዉ ።

ኣስታት 1.4 ሚልዮን ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ጅቡቲን ናብ የመንን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ክግዕዙ ትጽቢት ከምዘሎ ክግለጽ ከሎ ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ ቀጻሊ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ፡ ግጭት፡ ደርቂ ፣ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋህዉ፣ ከምኡ’ዉን ቁጠባዊ ምንቁልቋል ምዃኑ ምስቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይጠቅሱ ኣለዉ።

ዝተፈላለያ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣብ 2023 ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስደት ክውስኽ ምዃኑን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ኮቪድ 19 ዝተምዝገበ ዋሕዚ ስደት ዝተዓጻጸፍ ኮይኑ ብዉሑዱ 1.4 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

ብመሰረት ሓበሬታ እተን ማሕበራት ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከቡ መንግስታት ጠንቂ ስደት ዋሕዚ ስደተኛታት ከምዝኾኑ፣ ከም ኲናትን ክሊማዊ ለውጢን ዝበሉ ጠንቅታት ድማ ነቲ ዋሕዚ የጋድድዎ ከምዘለዉ ክፍለጥ ይከኣል።

ንስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ንምሕጋዝ ዓሊሙ ብ14 ለካቲት ብወግዒ ንዝጀመረ ዞባዊ ትልሚ ንምዕዋት ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት (IOM) ንስደተኛታትን ነቶም ዘአንግድዎም ማሕበረሰባትን ንሰብኣውን ልምዓታውን መዳያት ዝውዕል ናይ 84 ሚልዮን ዶላር ጻውዒት ሓገዝ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ IOM ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 45,172 ስደተኛታት ኣብ ምብራቓዊ መስመር ጅቡቲን የመንን ፣ ኣብ የመን ድማ 250,000 ስደተኛታት ተዓጊቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ፣ እዚ ድማ ኣብ ቁጠባን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን እተን ሃገራት ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ይጠቅስ።

ኣብ 2022 ቁጽሪ ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ኣብቲ መስመር ብሰንኪ ሓደገኛ ፣ ሕማም፣ ዝተፈላለዩ ኣካላዊ በደላትን ናይ ኣስታት 89 ስደተኛታት ሞት ከምተመዝገበ እዉን ይንገር።

ገለ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ መንገዲ ዘጋጥሞም ኩነታት ብነጋዶ ደቂ ሰባት ይጭወዩ ወይ ድማ ብሓይሊ ናብ መሳርዕ ዓመጽቲ ሑቲ ከምዝምልመሉን እውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የነጽር ።

ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ከምዝስደዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሓደገኛ ግዑዞ ናይ ሓያለ ሰባት ህይወት ከምዝጠፍእ ይንገር።