ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ወለዲ ፣ በቲ ብሓያለ ኤርትራዉያን መንእሰያት ነበርቲ ስደት ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማናጽፍ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝድፈር ዘሎ ዘይስነምግባራዊ ኣካይዳታት ይጒህዩ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ቲክቶክ ብመንገዲ ሓጸርቲ ፈነወታትን ናይ ቀጥታ ዝርርባትን ብዙሕ ትምህርትን ጥበብን ኽትቀስመሉ ዝከኣል እንዳሃለወ ፣ ብዙሓት ነኣሽቱ ዓበይቲን ኤርትራዉያን መንእሰያት ከም መጻየፊን መናወሪን ኪጥቀምሉ ምርኣይ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ገለ ወለዲ ናብ ኤሪሳት ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣሰሚዖም።

“ጓል’ካ ኣብ ከምዚ ትዉዕል ኣላ” ዝብል መልእኽትን ካብ ቲክቶክ ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ስእልን ኣብ ኢዱ ዝበጽሖ ሓደ ወላዲ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ንወኪል ኤሪሳት ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ፣ እቲ ኩነታት ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይኑዎ ኣብ ከቢድ ሓዘን ምህላዉን ፡ ከምዚ ናቱ ሓዘንን ጓሂን ዘሕልፉ ዘለዉ ወለዲ ውሑዳት ከምዘይኮኑ ጠቒሱ፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራዉያን መንሰያት ካብ ከምዚ ዝበለ ዘጸይፍ ተግባር ኣርሖቖም ዘስደዶም ዕላማን ክዝክሩን ክብሪ ስድራቤቶምን ክሕልዉን ኣምሪሮም ተላብዮም።

ካብ ከተማ ባረንቱ ንሕክምና ኣብ ከተማ ካርቱም ሱዳን ምስ ኣተዋ ብዛዕባ ኣብ መስተን ወልፍታትን ኣኳዲሙ ኣብ ዘይረብሕ ዕላላትን ሕሜታን-ጸርፊን ናይ ዝዉዕል ወዲ ጓለን ቪድዮ ዝረኣያ ወላዲት ንወኪልና ኣብ ዘስመዐዖ መረረ እዉን፣ ኩሉ ህዝቢ ኣብ ዝርእዮ መሳዂቲ ማሕበራዊ ሚድያ ወጺኻ ክትዛለፍን ፣ ዕርቃንካን ቅለትኻን ከተወዳድርን ካብ ምድፋር ዝኸፍእ ዉድቀት የለን ክብላ ገሲጸን።

ካብ ምልኪን ባርነታዊ ህይወትን ንምህዳም ካብ ሃገር ተሰዲዶም ኣብ ሓያለ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ከምኡ’ዉን ገለ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራዉያን መንእሰያት ፡ ዜጋታት ናይተን ነብሰ-ቕለትን ዕርቅናካ ምዉጻእን ከም ነዉሪ ዘይሕሰበለን ሃገራት ምዕራብ እኳ ኣብ ዘይደፈርዎ ተግባራት ክሳተፉ ክትርኢ ኣዝዩ ዘሻቕል ምዃኑ እዩ እቲ ዝበጽሓና ናይ ህዝቢ ርእይቶ ዘተሓሳስብ።

ኣብ ሓደ ኲርናዕ ናይ ክፍልኻ ዓስኪርካ ዕለታዊ ምስዕሳዕ፣ ትበልዖን ትሰትዮን ትኽደኖን ረኣዩለይ ምባል፣ ሰባት እንዳልዓልካ ሰዓታት ምሕማይ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ዘይተለምዱ ጽዩፋት ቃላት ምዝዉታር፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ንምጥራይ ዘጸይፉ ኣካይዳታት ምብዛሕ ፡ ዉልቃዊ ጸገማትካን ቃንዛኻን ፍለጡለይ ምባልን ካልን ገለ ካብቶም ኤርትራዉያን መንእሰያት ስደት ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ ካልኦት ዜጋታት ዝልለይሎም ባህርታት እንዳኾኑ ይመጽኡ ምህላዎም እዩ ዝንገር።