መንግስቲ ብሪጣንያ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘጋጥም ምድንጓይ መስርሕ ዑቕባ ስደተኛታት ፍታሕ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ፡ ኤርትራ ካብ እትርከብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝመጽኡ ሓተቲ ዑቕባ ብዘይቀጥታዊ ቃለመሕትት ጉዳዮም 40 ሕቶታት ዘካተት ቅጥዒ ብምምላእ ክርአ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ብመሰረት መግለጺ ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ፣ ቅድሚ ወርሒ ሓምለ ናይ 2022 ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራዉያን፡ ኣፍጋናዉያን፣ ሊብያዉያን፡ የመናዉያንን ሶርያዉያንን ነቲ ዝቐርበሎም ቅጥዒ ኣብ ዉሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልታት መሊኦም ከረከብዎን፣ መልስታቶም መርኩስ ብምግባር ድማ ዑቕባ ይግበኦም እንተኾይኑ ከምዝዉሰን እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

እዚ ሓድሽ ኣካያዳ ንልዕሊ 12 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክምልከት ምዃኑ እዉን ክፍሊ ዉሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሓቢሩ ኣሎ።

ዝሓለፈ 13 ታሕሳስ ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ፣ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ የኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ሓድሽ መርሓ ንፓርላማ ወግዓዊ ዝገበረ ኮይኑ፣ ሰራሕተኛታት መስርሕ ዑቕባ ብዕጽፊ ኣዛይድካ ነቲ ዛጊት ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ 150 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ጉዳይ ክሳብ መወዳእታ 2023 ክጻፈፍ ዝብል ነጥቢ ዝርከቦ እዩ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ፡ ሕጂ’ዉን ብመትረብ እንግሊዝ ዝመጽኡ ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ክጸንሑ ዘየ-ኽእሎም ሓድሽ ሕጊ ንምትግባር ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ኣብ ባይታ ከይተመስከረ ብመትረብ እንግሊዝ ናብ’ታ ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ክንኪ ከምዘይኮነ እዩ ዝሕበር።

በቲ ማያዊ ኣካል ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣትዉ ስደተኛታትት ቊጽሪ ኣብ ውሽጢ እዚ ክልተ ዓመት ጥራይ ብዕጽፊ ዛይዱ ከምዘሎ እዩ መንግስቲ ብሪጣንያ ዘማርር።