ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብ 23 ለካቲት ኣብ ድሮ መበል ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ ንዩክሬን ተጋቢኡ ብናይ 141 ኣባላት ሃገራት ድምጺ ደገፍ ዘሕለፎ – ሰራዊት ሩስያ ካብ መሬት ዩክሬን ብቕልጡፍ ክወጽእ ዝጽዉዕ ዘይቀያዲ ዉሳኔ – ሕጂ’ዉን ምስተን ጸግዒ ሩስያ ዝሓዛ ውሑዳት ሃገራት ወጊኑ።
እቲ ዘይቀያዲ ግን ከኣ ተሪር ዓለማዊ መርገጺ ኣንጻር ወራር ሩስያ ዘንጸባርቕ ዉሳኔ ዝተቛወማ ሃገራት ሸዉዓተ ጥራይ እየን።
በዚ መሰረት ኤርትራ ፡ ማሊ፡ ቤላሩስ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያን ኒካራጓን ነቲ ዉሳኔ ብምቁዋም ምስ ሩስያ ደዉ ኢለን ምህላወን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስተን ቻይና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኢራንን ኩባን ዝርከብአን ኣብቲ እዋናዊ ዉሳኔ ድምጸን ዝዓቀባ 32 ሃገራት ዘለዋ እየን።
ህግደፍ ፣ ንወራር ሩስያ ኣምልኪቶም ዛጊት ኣብ ዝተቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ናይ ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ፣ ዝኾነ ዕቃበ ከይመረጸ ጸግዒ ሩስያ ሒዙ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ’ቶም ብወራር ሩስያ ዛጊት ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ዉን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረት ኣብ ዝቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ምስ ሩስያ ምዉጋኑ ንረብሓን ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮነ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ንበይነይ ኪዉሰደልይ ይኽእል እዩ ዝብሎ መቕጻዕቲ ዘራይ ንኽረክብ ዝወስዶ ዘሎ መርገጺ ምዃኑ እዩ ዝሕበር።
ንዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ዞባን ዓለም ፈልዩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘሳቒ ዘሎ ህግደፍ፡ ኣንጻር እታ ንወራር ሩስያ ሓቢራ እትቃወም ዘላ ዓለም ደዉ ክብል ምዉሳኑ፣ ኤርትራ ግዳይ መጻእቲ ኣህጉራዊ ተነጽሎታት ገይሩን ምስ ስልጣኑ ጥራይ ዘውሕሳ ሩስያን ቻይናን ተጻጊዑን ክቕጽል ዓሊሙ ስለዘሎ እዩ ዝብሉ ተንተንቲ እዉን ዉዳት ኣይኮኑን።
ኣመሪካ ናብ ጉጅለ ህግደፍ ተቕንዖ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ቊጠባዊን መቓጻዕትታት ወተሃደራዊ ስጒምቲ ክስዕቦ ይኽእል እዩ ዝብል ገዚፍ ስግኣት ኣሕዲሩ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ደገፍ ሩስያን ቻይናን ንምዉሓስ ካብተን ሃገራት ንዓመታት ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቊጠባዉን ወተሃደራዉን ዕድመታት ክምልስን ይረአ ምህላዉን እዉን ይግለጽ’ዩ።