ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርደ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰዱን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ዜጋታት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ጸዊዑ።
እቲ መራሒ ነዚ ጻዉዒት ዘቕረበ፡ ብ22 ለካቲት ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት እታ ሃገር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።
ምብጻሕ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ናብ’ቶም ተመዛበልቲ፡ “ሓድነት ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንምሕዳስ – መንፈስ ዕርቂ ፡ ሕድገት፡ ሰላምን ምልሶትን ነሐይል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዕላማ ዝተወደበ ምንባሩ እዩ ቤትጽሕፈት እቲ መራሒ ሃገር ዝገልጽ።
“ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ንዝመርጹ፡ መንግስቲ ምሉእ ውሕስነት ከምዝህብ፥ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ተመላሶ ኣብ ከባቢኦም ብሰላም ንኽነብሩ ዘኽእሎም ቀረባት ከምዘረጋግጽ፥ ማዕረ ማዕሪኡ’ዉን ነቶም ናብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክምለሱ ዘይክእሉ ኣብተን መዓስከራት ተመዛበልቲ ዝርከባለን ግዝኣታት መሬት ተጣይስሎም ብዘይጸገም ክነብሩ ክኽእሉ ምስ ሰብ ስልጣን እተን ግዝኣታት ይዛተ ከም ዘሎ እዩ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ኣብሪሁ።
እቲ መራሒ ወሲኹ፡ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ወይ ናብ መበቈል ከባቢኦም ክምለሱ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ክቕመጡ እንተመሪጾም ድማ መጣየሲ ቦታ ከምዘይክልኡ እዩ ገሊጹ።
ዛጊት ኣስታት 2.3 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናዉያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝነብሩ ዝጠቐሰ እቲ መራሒ፡ ትግባሬ መስርሕ ሰላም ናብ’ቲ እታ ሃገር እትጽበዮ ዘላ ንመሰጋገሪ እዋን ዘደቓቕስ ግዜያት ምርጫ ኣብ ዝብጸሓሉ ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንምምላስ እቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ጎረባብቲ ሃገራትን ተመዛቢሎም ዝርከቡ ዜጋታቱ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳ ከምዝሰርዖ እዩ ኣነጺሩ።
ኣብ’ታ ሓዳስ ሃገር ካብ 2013 ጀሚሩ ዛጊት ብዘይዓረፈ ፖለቲካዊን ዓሌታዊን ግርጭታት፡ ልዕሊ 2 ሚሊዮን ዜጋታት ተሰዲዶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ምህላዎም እዩ ሰነዳት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዘረድእ።