ተጸዋዒ ኣካል ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ 27 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይን ስዊዘርላንድን ብጠቕላላ 966 ሽሕ ሕቶታት ዑቕባ ከምተሰነደ ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ኣብ 2021 ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ50% ከምዛይድ ጸብጺቡ።
እቲ ተጸዋዒ ኣካል ብ 23 ለካቲት ኣብ ዘካፈሎ ጸብጻባዊ ሰነድ፣ ኣብ 2022 ዝተራእየ ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ነቲ ኣብ 2015ን 16ን ንዝተኸስተ ልዑል ዋሕዚ ስደተኛታት ስዒቡ ዝተመዝገበ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ዝቀራረብ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ሓቢሩ ።
መብዛሕትኦም ሓተትቲ ዑቕባ ብሕጋዊ መንገዲ ብቐንዱ ናይ መገሻ ቪዛ ሒዞም ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ እኳ እንተኾኑ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኹሎም ሸነኻታ እቲ ሕብረት ሰሊኾም ናይ ዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ስደተኛታት ቊጽሪ እዉን ውሑድ ከምዘይኮነ እዪ እቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዘረድእ።
ካብ’ቲ ኣብ 2022 ተሰኒዱ ዝበሃል ዘሎ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ሕቶ ዑቕባ ፡ እቲ 130 ሽሕ ብዜጋታት ሶርያ፡ 129 ሽሕ ብዜጋታት ኣፍጋኒስታን እቲ 55 ሽሕ ድማ ብዜጋታት ቱርኪ ዝተጠልበ ምዃኑ እዩ ተጸዋዒ ኣካል ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጠቅስ።
ዓመታዊ ብዘየቋርጽ ዋሕዚ ስደተኛታት ኪጣራዕ ዝስማዕ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንመሰረታዊ ጠንቂ ዘይስሩዕ ስደት ኣለሊዩ ነባሪ ፍታሕ ከምጽኡ ዝኽእሉ ፖሊሲታት ምስተን ምንጪ ስደተኛታት ዝኾና ሃገራት ከቕንዕ ዘይኮነ ፣ ምስተን ከም መናሃርያን መሳገሪን ስደተኛታት ዝኾና ከም ሊብያ፣ ሱዳን ፡ ቱኒዝያ፡ ሞሮኮ፡ ቱርኪ ዝበላ ሃገራት ግዝያዊ ፍታሕ ጥራይ ከምጽኡ ዝኽእሉ መርሓታት ከዉፍር እዩ ዝርአ።