ስርናይ ንሰደድ ከነብቅዕ ኢና ክብል ብዝሓገየ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ትምራሕ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ብኽቱር ጥሜት ተሰኒፎም ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኮይኖም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብቐጻሊ ይሕብራ ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ቦሮና ናይ ክልል ኦሮሞ ዝምዝገብ ዘሎ ሞት ሰብን ጥሪትን ኣብታ ሃገር ዝብእስ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻባት ምምሕዳር እታ ዞባ፣ ዛጊት ልዕሊ 800 ሽሕ ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ህዝቢ እታ ዞባ ልዕሊ 3.3 ሚልዮን ዝኾና ጥሪቱ ሃሊቐንኦ ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ። ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ተመሃሮ ትምህርቶም ከቋርጹ ይግደዱ ከምዘለዉ ዘረድኡ እቶም ጸብጻባት ፣ ኣብ ዞባ ቦሮና ዝምዝገብ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ኦሮሞን ደቡባዊ ሸነኻት ኢትዮጵያን እዉን ምህላዉ የተሓሳስቡ።
ሰብኣዊ ድሕነትን ህዝባዊ ትሕተ ቅርጺን ንምምሕያሽ ይሰርሕ ምህላዉ ከእምን ኣብ ናይ ረኣዩለይ ወፈራታት ኪሳተፍን ስእልታት ክለዓልን ጥራይ ዝብህግ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኢትዮጵያ ሕርሻዊ ምህርታ ብምዕባይ ስርናይ ንሰደድ ከተብቅዕ ምዃና እዩ ክምድር ተሰሚዑ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብኲራት ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ክራማት ሓለፋ ካብ ዝተጸልዋ ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ፡ በቲ ኣብ ሰሜን ብዙሕ ቊጠባዊን ሰብኣዊን ዓቕሚ ዝሓተተ ኲናት ሕድሕድን በቶም ኣብ ካልኦት ክልላት ዝንህሩ ዘለዉ ዓሌታዊ ረጽምታትን ተሰኒፋ ነዚ ብሰንኪ ደርቂ ዝንህር ዘሎ ክቱር ጥሜት ኣብ ምብዳህ ፍጹም ተጸጊማ ከምዘላ እዩ ዝሕበር።
ማሕበረሰብ ዓለም ቅልጡፍ ሓገዝ እንተዘይጌሩ ፡ መጠን ሞት ናይቶም ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ብጥሜት ዝጥቃዕ ህዝቢ ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ከምዝኸዉን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብቐጻሊ ክሕብራ ጸኒሐን ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓጸቦ ኪእወጅ ልዑል ስግኣት ከምዘሎ ከጠንቅቕ ዝጸንሐ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ተርእዮ ኣብ ዓመተ 2023 ዝበኣሰ ከምዝኸዉን ብምዝኽካር፣ ኣብ 21 ክፍለዘመን ጃምላዊ ጥሜትን ዓጸቦን ክርአ ዘሕንኽ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።