ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲሑ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ብምብጽሑ ፣ ኣብ ራዕዲ ዝርከብ እቲ ብምኽኒት ኣይኲናት-ኣይሰላም ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከሳቒ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ከቃንዖ ንዝተመደበ ቃለመሕትት የጓትት ኣሎ።
እቲ መራሒ ጉጅለ ፣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ እንታይ ከምዝኾነ ኣጸቢቚ ስለዝፈለጥ፡ ህዝቢን ሰራዊትን እዉን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ምስ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 20 ዓመታት ክምኽነየሉ ዝጸንሐ ስግኣት ደጊም ከምዝተዓጽወ ስለዝተገንዘበ፡ እቲ መራሒ ንህዝቢ ዳግም የስድዑ እዮም ዝብሎም ተወሰኽቲ መብጽዓታት ኪኣኻኽብ ግዜ የናዉሕ ከምዘሎ እዪ ዝንገር።
ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ፣ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕያሽን ንዝጸንሑ ጸገማት ንምፍታሕን ገዚፍ መደብ ከምዘሎ ንምትስፋዉ ናይ 03 ወረታት ክነዝሕ ጀሚሩ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ዉሽጢ ሃገር ክሕብሩ ወሪሖም እዮም።
ብመሰረት ሓበሬታ እቶም ምንጭታት ፣ ደጊም ህወሓትን ስግኣቱን ኣብቂዑ ምስ ህወሓት ዝደናገጹ ዝነበሩ ምዕራባዉያን ሓይልታት ድማ ተሳዒሮም ስለዝኾኑ ፣ ህዝቢን ሰራዊት ኤርትራ ናብ ስቡሕ ናብራ ንምምላስ ብዙሓት መደባት ተሰሪዖም ከምዘለዉ ዘተስፍዉ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ከም ልሙድ ብሰለይቲን ኣዉረይቲን ክዝሮ ጀሚሩ ምህላዉ እዩ።
ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ፣ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ፣ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻእኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር፣ ምህናጽ ኣባይቲን ዳግመ ምጅማር ምዕዳል መሬትን፡ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዘለዉ ምዃኖም እዉን ተሓቢሩ እዩ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ከመኽንዮ ዝጸንሐ ስግኣት ተጸንቂቚ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ካልእ ምኽንያት ሃሰዉ ዝብል ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ክሳብ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዘኽእል ሓድሽ ምኽንያት ዝረክብ ኣተስፈዉቲ መብጸዓታት ክነዝሕ ምዃኑ ትጽቢት ብዙሓት ወገናት ኮይኑ ኣሎ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓጺር ናይ ሓድሽ ዓመተ 2023 ጽሑፋዊ መልኽቱ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራቐቐን ዝበእኣሰን ግዳማዊ ተጻብኦ ይመጽኦ ብምህላዉ ንዝሓየለ ምኸተ ድሉው ኪኸዉን ዝብል ልሙድ መግለጺ ሂቡ ነይሩ እዩ። እቲ መራሒ ብሽፍኑ ዝጠቐሶ ሓድሽ ግዳማዊ ተጻብኦ ኣብዚ ግዜዚ ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ከምዘይኮነ ስለዝተገንዘ ግን ክሳብ ዘእምን ምኽንያት ዝረክብ ናይ ሓሶት መብጸዓታት ኪኣቱ መዲቡ ከምዘሎ እዩም ምንጭታትና ዝሕብሩ።
ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ፍታሕ ዋላ እንተተረኺብዎ፣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ቊጠባዊ ይዂን ፖለቲካዊ ጽገና ኽገብር ከምዘይኮነ እዉን ክሕበር ጸኒሑ እዩ።
ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ንቊጠባዉን ደሞክራስያዉን ልምዓት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ዘመልከቱ ምንጭታት፣ ሃገር ከይትለምዕን ከይትግስግስን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት እንተቒህሙ ፣ ምስ ሱዳንን ጁቡቲን ነገር ብምጽሕታር፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ሶማል ብምስታፍ ተወሰኽቲ ምኽንያታት ከቃንዕ መደብ ከምዘለዎ እዮም ዘረድኡ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኪፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ዉሽጣዊ ሽግር ኤርትራ ብህዝባን ሰራዊታን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።