ኩሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ሃገራዊ ብሓፈሻ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን በርጌሳዊ ምንቅስቓስን ዝነጥፉ ድማ ብፍላይ ፣ ጉዳይ እቶም ኣብ መዓስከራትን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ ፡ ሱዳንን፡ ሊብያን ግብጺን ዝሳቐዩን ብሂወት ዝፍተኑን ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቅልጡፍ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺቡ ድሕነቶም ንኽረጋገጽ ብዝሓየለ ክጽዕሩ ምንጭታት ኤሪሳት ካብተን ሃገራት ኣዘኻኺሮም።

ኣብተን ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ካብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ወገናትና ሓለፋ ይሽገሩ ምህላዎም ዘተሓሳሰቡ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ብመንግስታት እተን ሃገራት ዕለታዊ ዝምዝገቡ ግህሰታት ምጒናያትን እንዳሰነድካ ኣፍልጦ ተሓለቕቲ ትካላት ኪረክብ ምግባር ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊብያን ግብጺን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝግበር ኣተሓሕዛ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበእኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ክኢላታት፣ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዎም ምሁራትን ተሓለቕቲ ሰብኣዉነትን፣ ሃይማኖታዉያን መራሕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዓዉድታት ዘድምዑን ካልኦትን ኤርትራዉያን ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ስደተኛታት ዝቕጽል ዘሎ ሕሰም ኣፍልጦን ፍታሕን ንኽረክብ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዮም ምንጭታትና ዘረድኡ።

ብዘይካዚ ፡ ኣብ ከም ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ግብጺ፣ ሊብያን ካልኦት ዝቃረባና ሃገራት ኣፍሪቃን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ብሰብ መዚ ስደተን ሓይልታት ጸጥታን እተን ሃገራት ቀጻሊ በደላት ከምዝወርዶም፡ ናይ ዑቕባን ጸጥታዊ ዉሕስነትን መሰላቶም እዉን ብብላዕን ካልእ ሓለፋታትን ኪረኽብዎም ከምዝግደዱ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ነዚ ንምግታእ ፡ ተበዲልና ዝብሉ ስደተኛታት ናብ InspectorGeneral@unhcr.i-sight.com ጥርዓኖ ከቕርቡ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዮም ምንጭታትና ብተደጋጋሚ ዝሕብሩ።