ንዝቘዉም ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክትእምም ዝተመስረተት ኮሚተ ፣ ምድላዋታ ወዲኣ ብዛዕባ እቲ ኪቐዉም ዝተለመቶ ቅርጺ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ፈደራላዊ ኣካል ኣቕሪባ ከምዘላ ተሓቢሩ።

እቲ ተኣሚሙ ዘሎ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ካብ’ቲ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሐ ህወሓት፣ ካብ መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ከምኡ’ዉን ካብ ካልኦት ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክልል ትግራይ ዝተዋጽአ ምዃኑ ዝሓበረት እታ ኮሚተ፣ ብዛዕባ ኣቕሪባቶ ዘላ እማመ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ግብረመልሲ ከምዘይመጻ እያ ትሕብር ዘላ።

ብመሰረት ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ-ናይሮቢ ፡ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲን – ፖልቲካዊ ርግኣት ክልል ትግራይ ናብ ዝወሕሰሉ መድረኽ ንምብጻሕ ካብ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ሰልፊ ምልጽግናን ካብ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ክልል ትግራይ ዝላፈን ግዝያዊ መንግስቲ እታ ክልል ከቚሙ ተረዳዲኦም እዮም።

ብዉሳኔ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት እታ ሃገር ኣብ ዝርዝር ኣሸበርቲ ወገናት ኣትዩ ዘሎ ህወሓት ፡ ወከልቱ ኣብ’ቲ ተኣሚሙ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ክጽንብር ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ጉዳይ ብዝኾነ ወገን መብርሂ ዘይተዋህበሉ ዘሎ ኮይኑ፣ መራሕቲ ህወሓት ካብ’ቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ናይ ኣሸባሪ ቅጽል ወጺኦም ኣብ ክልላዊን ፈደራላዊን መድረኻት ተሳታፍነቶም ኪወሓስ ብቐጻሊ ይጽውዑ ምህላዎም ይንገር።

እታ ንዝጣየስ ግዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክትእምም ዝቘመት ኮሚተ፣ ሰሰለስተ ሰባት ካብ ህወሓት፡ ስራዊት ትግራይን ምሁራት ኣካላትን ዝተዋጽኡላ ኮይና፣ ኣብ ምምራጽ ኣባላት እታ ኮሚቴ ንዝነበረ ዕጽዉነት ሻቡ ካብ ሓያለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ትግራይ ዘይዕግቡነት ምስማዑ ኣይርሳዕን።

ህወሓት ነቲ መስርሕ ኣብ ረብሓኡ ንምዉዓል ይጓየ ከምዘሎ ዝኸሳ ፖለቲካዉያን ዉድባት ትግራይ ፡ ድሮ ነታ ቆይማ ዘላ ኮሜተ ዝመርሑ ኣባላት ኣብ ምርቋሕ ዝተራእየ ወገናዉነት ኪነቕፉን እቲ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ እወታዊ ዉጽኢት ከምዘይርከቦን ክምጒታ ምቕናየን ይፍለጥ።

እቲ ዝቐዉም ግዝያዊ መንግስቲ ንዝገዘፈ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝዉክልን ፡ ኣብ መጻኢ ቀዋሚ ክልላዊ መንግስቲ ንኽምስረት ውሑስ ደሞክራስያዊ ባይታ ዘንጽፍን ኪኸዉን ኣለዎ ዝብላ እተን ዉድባት፡ በቲ ጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ግን ህዉሓት ካልእ ተምሳል ሒዙ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ጸላዊ ሓይሊ ኮይኑ ኽቕጽል ልዑል ተኽሎ ከምዘሎ እየን ዝገልጻ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ባጀት ክስልዕን ህዝባዊ ኣገልግሎታት እታ ክልል ብስሩዕ ኪቕጽሉ ዘኽእሉ ደገፋት ኪቕርብን እንተኾይኑ፣ ንግዜኡ ኣስራሒ እዩ ዝብል መሰጋገሪ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክርኢ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ድማ መስርሕ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ክልል ንብዙሕ ጠለባትን ሕቶታትን ህዝቢ እኹል ምላሽ ከይሃበ ብታህዋኽ ክዛዘም የገድድ ምህላዉ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘተሓሳስቡ።