ኣስታት 200 ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ቱርኪ ዝተበገሰት ንእሽቶ መርከብ ፡ ኣብ ማያዊ ገማግም ኬርቶነ ናይ ጥልያን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 60 ሰባት ኪሞቱ እንከለዉ፡ ናይ ልዕሊ 30 ካልኦት ደሃይ ዛጊት ከምዘየለ ሰብመዚ ሓለዋ ባሕሪ እታ ሃገር ሓቢሮም።
እታ መርከብ በቲ ኣብ ማያዊ ገማግም ጥልያን ዝጎነፋ ማዕበል ተሰባቢራ ምጥሓላ እዮ ተሓቢሩ ዘሎ። ካብቲ ሓደጋ ኣስታት 80 ሰባት ብህይወት ክወጽኡ እንከለዉ፣ ነቶም ዛጊት ደሃዮም ዘይተረኽበ ግዳያት ንምንዳይ ስርሒታት ምድሓን ህይወት ይቃናዕ ከምዘሎ እዉን ተፈሊጡ።
ዝሓለፈ 14 ለካቲት እዉን፣ ኣስታት 80 ስደተኛታት ኣጸፋጺፋ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ብዙሕ ከየርሓቐት ብምጥሓላ ህይወት ናይ 73 ሰባት ምጥፋኡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ገሊጹ ነይሩ። እቲ ናይ 14 ለካቲት ሓደጋ ኣብዛ ካልኣይቲ ወርሒ ንዛዝመላ ዘለና ዓመት እቲ ዝለዓለ ህልቂት ስደተኛታት ዘስዓበ ከምዝኾነ እዉን ይንገር።
ብመሰረት ሰነዳት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዉሽጢ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ናይዛ ዓመት ፡ ምስዚ ናይ ሎምቅነ ሓደጋ ሓዊስካ ብውሑዱ ህይወትን ደሃይን ናይ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 24,234 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኑንን ደሃዮም ከምዘይተረኽበን እዩ። ሰነዳት ትካላት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዘነጽሮ እዉን ፣ ኣብ 2022 ጥራይ ዛጊት ህይወትን ደሃይን ኣስታት 1,400 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ከምዘሎ እዩ ዝፍለጥ ።
መንግስታት ኤውሮጳ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት ንምግታእ ፖሊሲታቶም ካብ ምትራር እኳ እንተዘይዓረፉ ፣ ናብታ ኣህጉር ናይ ዘምርሕ ቊጽሪ ስደተኛታት ግና ክንኪ ኣይርአን ዘሎ። ተጸዋዒ ኣካል ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ 27 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይን ስዊዘርላንድን ብጠቕላላ 966 ሽሕ ሕቶታት ዑቕባ ከምተሰነደ ፡ እዚ ድማ ካብ’ቲ ኣብ 2021 ዝተመዝገበ ኣሃዝ ብ50% ከምዛይድ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጺቡ ነይሩ ።
እቲ ተጸዋዒ ኣካል ብ 23 ለካቲት ኣብ ዘካፈሎ ጸብጻባዊ ሰነድ፣ ኣብ 2022 ዝተራእየ ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ነቲ ኣብ 2015ን 16ን ንዝተኸስተ ልዑል ዋሕዚ ስደተኛታት ስዒቡ ዝተመዝገበ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ዝቀራረብ ኮይኑ ምህላዉ እዩ ሓቢሩ ።