ኤምባሲታት ህግደፍ ፣ መንግስቲ ገዚፍ ዳግመ ህንጻዊ መደብ ወጢኑ ኣሎ ብዝብል ምስምስ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ንምእካብ ናይ ጎስጓስ ምድላዋት ይገብራ ከምዘለዋ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።
እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታት ፡ ኤርትራ ደጊም ካብ ስግኣት ወያነ ስለዝወጸት ህግደፍ ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ተሃድሶ ወጢኑ ከምዘሎ እንዳጎስጎሳ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ መደባት ሰሪዐን ምህላወን እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
እተን ኢምባሲታት ቀጻሊ ኣኼባታትን ጎስጓሳትን ምስ ህዝቢ ከካይዳ፣ ብዛዕባ ተወጢኑ ዘሎ ናይ ሓሶት መደባት ከውዓዉዓ፣ ድሕሪ ደጊም ህግደፍ ራህዋን ጥዑም መነባብሮን ህዝቢ ንምርግጋጽ ጥራሕ ከምዚጓየ ኽሰብካን ካልን ዝብሉ ትዛዛት ስራሕ ተዋሂቡወን ኣብ ምድላዋት ምህላወን እዮም ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣረዲኦም ዘለዉ።
ህግደፍ ንህዝቢ ብሓሶት ንምጥባር ከምልሙድ ኣብ ባይታ ኪህልዉ ዘይኮኑ መደባትን ተስፋታትን ብመንገዲ ናይ 03 ኣሃዱታቱ ክነዝሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ኪሕበር ቀኒዩ እዩ።
ሰራዊት ናይ ምጥያስ ገዚፍ መደብ፣ ደሞዝን መነባብሮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናይ ምምሕያሽ፣ ወፍሪን ንግዲን ኣብ ዉሽጢን ወጻእኢን ንዝርከቡ ዜጋታት ክፉት ምግባር፣ ምህናጽ ኣባይቲን ዳግመ ምጅማር ምዕዳል መሬትን፡ ነጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ካብን ናብን ሃገር ምርግጋጽን ካልን ዝብሉ ሓያለ ልሙዳት መብጸዓታት ገለ ካብቶም ብኣሃዱታት 03 ዝንዝሑ ዘለዉ ምዃኖም እዉን ተሓቢሩ እዩ።
ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዓሰርተታት ዓመታት ከመኽንዮ ዝጸንሐ ስግኣት ተጸንቂቚ ኣብ ስልጣን ዘጽንሖ ካልእ ምኽንያት ሃሰዉ ዝብል ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ክሳብ ህዝቢን ሃገርን ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ንኽጸንሕ ዘኽእል ሓድሽ ምኽንያት ዝረክብ ኣተስፈዉቲ መብጸዓታት ክነዝሕ ምዃኑ ትጽቢት ብዙሓት ወገናት ኮይኑ ኣሎ።