መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ገደብ ስራሑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝርከብ መርማሪ ጉጅለ ገበናት ኲናት ትግራይ ዕምሩ ንምሕጻር ይጽዕር ምህላዉ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ መርማሪ ጉጅለ ዕምሩ ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምሕጻር፣ ርኽበታቱ ከየሕትምን ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከየቕርብን ድማ ንምዕንቃጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደገፍ ዝተፈላለያ ሃገራት የናዲ ከምዘሎ እዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ምዕንቃጽ መደብ ዘምልክት ጻዉዒት ንድፊ ብወግዒ ናብ ኣባላት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እኳ እንተዘየቕረቦ፣ ኣብ’ቲ ካብ 27 ለካቲት ጀሚሩ ክሳብ ዝመጽ 4 ሚያዝያ ዝኸይድ ኣኼባታት እቲ ባይቶ ግን ከቀላቕሎ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።
እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንገበናት ኲናት ትግራይ ክምርምር ዝቘመ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ስራሑ ኪቕጽል ብጸቢብ ጸብለልታ ድምጺ ኣባላት ሃገራት ምዉሳኑ ኣይርሳዕን።
እቲ መራማሪ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ፈላማይ ጸብጻቡ፡ ናብ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝቃረቡ በደላት ብኹሎም ወገናት ከምእተፈጸመ ዘመላኽቱ መርትዖታት ከምዝረኸበ ገሊጹ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናብ ኣባላት ሃገራት እቲ ባይቶ ከቕርቦን ደገፈን ኪሓተሉን እዩ ዝበሃል ዘሎ ንድፊ ብኸም’ተን ንምቛም እቲ መርማሪ ጉጅለ ሓለፋ ዝጸዕራ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ይንገር እኳ እንተሎ፣ ኣብ ጉዳይ ወራር ሩስያ ዝኾነ ዓይነት ኣፍሪቃዊ ደገፍ ዝሃርፋ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ንጠለብ ኢትዮጵያ ከምዘለዎ ኪጎስያኦ ከጸግመን ከምዝኽእል እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዘረድኡ።
እቲ መርማሪ ጉጅለ ፡ ኣብቲ ካብ 3 ሕዳር ናይ 2020 ጀሚሩ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝጸንሐ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዉያን ዚኣጋታትን ስደተኛታትን ብኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ተፈጺሙ ዝበሃል ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከጽንዕ ብ17 ታሕሳስ ናይ 2021 ዝቘመ ኮይኑ፡ ብ2 መጋቢት 2022 ነቲ ጉጅለ ዘካይዱ ስለስተ ኣባላት ከምእተመዘዙ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቛም እቲ መርማሪ ጉጅለ ካብ ፈለማ ይቛወምን እቲ ጉጅለ እኹል ገንዘባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ከይረክብ ክዕንቅጽ ፈቲኑን ምንባሩ እንተኾነ ከምዘይሰለጦ ይዝከር።
ብዘይካዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስራሕን ርኽበታትን እቲ መርማሪ ጉጅለ ንዝሰላሰል ዘሎ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከዉድቘ ከምዝኽእል እዩ ብቐጻሊ ዘጠንቅቕ ዘሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጥፈታት እቲ መርማሪ ጉጅለ ንትግባሬ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከውድቘ ከምዝኽል ኣተሓሳሲቡ ኔሩ ።