ኤሪሳት ምስ ህዝቢ ገጽ ንገጽ ንምርኻብን ሓሳባ ኣካፊላ ርይቶታት ህዝቢ ንምእካብን ዝሰርዓቶ ዑደት ሰሜን ኣመሪካ ብ23፣ 25ን 26ን ለካቲት እዉን ኣብ ከተማታት ላስቬጋስ ፡ ኦክላንድን ስያትልን ቀጺሉ።
እቲ ብ18ን 19ን ለካቲት ብከተማታት ደንቨርን ዳልስን ዝጀመረ ዑደት ፡ ከምቲ ዝተመደበሉ ብዘይዕንቅፋትን ብዘዕግብ ተሳታፍነት ደልይቲ ፍትሒ እተን ከተማታትን ከምዝተቓንዐ ተፈሊጡ።
ነቲ ዑደት ዝመርሑ ዘለዎ ላዕለዎት ኣባላት ኤሪሳት ዛጊት ኣብተን ዝበጹሑወን ከተማታት ዘዕግብ ኣቀባብላ እንዳተገብረሎም ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኪዛተዩን ሓሳባት ክለዋወጡን በቒዖም ኣለዉ።
ተሳተፍቲ እዉን ኤሪሳት ንዝነቐለትሉ ዕላማን ትኽተሎ ዘላ ናይ ቃልሲ ጎደናን ዘለዎም ደገፍ ብምርግጋጽ ናይ ሓሳብን ገንዘብን ሓገዛት ኪገብሩን ፡ ነታ ተለቪዥን ብቐጻሊ ዝሕግዝሉ መንገዲታት ክመባጽዑን ተራእዮም።
ዛጊት ኣብተን ዑደት ተቓኒዕለን ዘሎ ከተማታት ፣ ተሳተፍቲ ኪንዮ ሞራላዊን ናይ ሓሳብን ድጋፍ ፡ ነበርቲ ላስቬጋስ ከባቢ 10 ሽሕ ዶላር፡ ቤይ ኤርትራ ከባቢ 17 ሽሕ ዶላር፡ ስያትል ከባቢ 12 ሽሕ ዶላር ፡ ነበርቲ ደንቨር 14 ሽሕ ዶላር፡ ከምኡ’ዉን ነበርቲ ዳላስ 11 ሽሕ ዶላር ኣወፍዮም ኣለዉ።
ብዘይካዚ ብክርክት ዝበሉ ነበርቲ እተን ከተማታት ወርሓዊ ንኤሪሳት ንምሕጋዝ ተመዝጊቦም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት፡ ኤሪሳት ካብ’ቲ ዝነቐለትሉ መሰረታዊን ማእከላይን ዕላማ ከይዘዘወት ንኹሎም ኢርትራዉያን ተቓለስቲ ፍትሒ ባይታ ንኽትከዉን ኣብ ጻዕሪ ከምዘላ ንምርግጋጽን፣ ህዝቢ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ከም ኤሪሳት ዝኣመሰላ ሚድያታት ፍትሒ ብግቡእ ተረዲኡ ኩሉዓይነታዊ ደገፋት ከዛይድ ንምጉስጓስን እዩ።
ኤሪሳት ዕለታዊ ዝጎንፍዋ ብድሆታት እንዳመከተት ብኣዝዩ ውሑድ ዓቕሚ ሰብን ንኡስ ፋይናንስን ብኣማኢት ሰባት እዉን ኪዕመም ንዝኸብድ ስራሕ ተካዉን ከምዘላ ፡ እታ ተለቪዥን ደገፍ ናይቲ እተገልግሎ ዘላ ህዝቢ እንተዘይብላ ድማ ውሑስ ቀጻልነት ክህልዋ ከምዘይክእል ነቲ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ላዕለዎት ኣባላት ኤሪሳት ብተደጋጋሚ ዘዘኻኽርዎ ዘለዉ እዮም።
ኤሪሳት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንኻልኣይ ግዜ ዑደት ተካይዶ ከምዘላ ይፍለጥ ። እዚ ካብ 18 ለካቲት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ን4 መጋቢት ኣብ ኣትላንታ፡ ን5 መጋቢት ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብዝቃንዑ ርክባት ክዛዘም እዩ።