ሩስያ ምስ መንግስቲ ዩክሬን ንሰላም ክትዛተ ድልዉቲ እኳ እንተኾነት፡ ነተን ናብ ግዝኣታ ጸንቢራተን ዘላ ዞባታት ዩክሬን ግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከተእቱ ከምዘይኮነት ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ዲሚትሪ ፖስኮቭ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝኸተመሉ ባዕላዊ ዉዕል ፡ ነተን ብረፈረንደም ምስ ሩስያ ክጽንበራ መሪጸን ኣለዋ ዝበለን ግዝኣታት ኬርሶን፣ ዛፖሮዢዥያ ፡ ላህንስክን ዶነትስክን ኣካል ሩስያ ምዃነን ብወግዒ ሓቢሩ እዩ። ሃገራት ምዕራብ ግና እቲ ረፈረንደም ሕጋዊ ተፈላጥነት ከምዘይብሉ እየን ዝምጒታ።
ምስ ዩክሬን ክህሉ ዝድለ ሰለማዊ ዘተን ስምምዕን፡ እተን ኣርባዕተ ግዝኣታት ናይ ሩስያ ምዃናን ኣፍልጦ ምስዝወሃብ ጥራይ ምዃኑ እዩ እቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ኣተሓሳሲቡ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲ (ኔቶ) ፡ ዩክሬን ኣባል እቲ ኪዳን ኪትከዉን ምዃና ብወግዒ ሓቢሩ ኣሎ። እንተኾነ መስርሕ ኣባልነት ነዊሕ ግዜ ዝወስድን እታ ሃገር ልኣላዉነታ ተዋሒሱ ካብ ወራር ሩስያ ምስ ተገላገለት ጥራይ ዝረጋገጽን ምዃኑ ጠቕላሊ ጸሓፊ እቲ ኪዳን ገሊጹ ኣሎ።
ዩክሬን ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኪትከዉን ንዘቕረበቶ ጠለብ እወታዊ ምላሽ ዝወሃበሉ ግዜ ሕጂ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዝጽዉዕ ዘሎ ፕረዚደንት እታ ሃገር እዉን ፣ ዩክሬን ኤውሮጳዊ ምዃና ዝረጋገጸሉ ግዜ ክደናጔ ከምዘይብሉ እዩ ዘተሓሳብ።
ኲናት ዩክሬን ዝለዓለ ጥርዚ ወኒኑ ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ዘሎ ምትፍናን ማዕረማዕሪኡ እንዳነሃረ ናብ ዝገዘፈ ዓለማዊ ኲናት ከይምራሕ ተሰጊኡ ምህላዉ ኣይርሳዕን።