ሊቃነጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማይ ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን ናብ መቐለ ምብጻሖም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ኣብ ስርዓተ ቀብሪ’ቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ናይ ዝዓረፉ መንፈሳዊ ብጻዮም ዮሃንስ ዳግማዊ ንምስታፍ እዮም ናብ ትግራይ ኣትዮም።
ሊቃነጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣቡናት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝኣተውሉ ፡ ብሃይማኖታዉያን መራሕቲ ክልል ትግራይ ጽቡቕ ኣቀባብላ ከምተገብረሎም እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ከምዝዝከር ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ክልል ትግራይ ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ ተፈልዮም ናይ ባዕሎም መንበረ ጵጵስና ከቚሙ ወሲኖም እዮም። ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፈደራል ወጊና ብዝብል ነቲ ናይ ምንጻል ዉሳኔ ምውሳዶም እዉን ይንገር።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ንዝተፈጸሙ ገበናት ዘይምዂናና ዝወቕሱ ኮይኖም፣ ሊቃነጳጳስ ኣቡነ ማትያስ ግን መንግስቲ ፈደራል ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝኾነ ቃለ ኲነኔን ጻዉዒት ሽምግልናን ከየስምዕ ድምጸይ ዓፊንኒ ክብሉ ብወግዒ ምግላጾም ይፍለጥ።
ምብጻሕ ሊቃነጳጳስ ኣቡነ ማትያስ ናብ ትግራይ ነቲ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ኣብ ምምሕያሽ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል እዉን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ የረድኡ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሕቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ትግራይ ምስ መንበረጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኢትዮጵያ ርክቦም ከሐድሱ ንዝቐረበ ጠለብ ሻቡ ከምዝነጸግዎ ኣይርሳዕን።