ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ በቲ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ዘለና ርክብ ተመሓዪሹ ኢዩ ኢሉ ሻዲኑ ዘሎ ኤምባሲ ህግደፍ ጸቕጥታት ከይከብዶም ሰጊኦም ከምዘለዉ ካብ ከተማ ናይሮቢ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ኤምባሲ ካብ ቅድም እዉን ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታ ዝተፈላለዩ በደላት ብኢደዙር ይዂን ብቐጥታ ከብጽሕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ድማ ብፍላይ ዝቕመጡ ወገናትና ዉሕስነቶም ንምርጓድ ሕጋዊ ናይ ስደተኛ ወረቐት ከምዘለዎም ከረጋግጹን ምስ ጨንፈር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት UNHCR ምቅርራብ ከዛይዱን ከምዝግባእ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ንመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎ ክቱር ተማእዛዝነት ከመስክር ንኣደ ጓሉን ሓዋን ንማእሰርቲ ኣሕሊፉ ብዝሃበ ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ዝካየድ እቲ ኤምባሲ ፡ ኣብ ኬንያ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝገዘፈ ወፍርታት ንዘካይዱ ኤርትራዉያን እንዳላለየ ክምዝምዝን ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኢዶም ከይ-ጽንብሩ ከፈራርህን ምጽንሑ ይንገር።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስታት እቲ ዞባ ጀምሪዎ ዘሎ ዝምድና ናይ ምሕዳስ ህዉኽ ዲፕሎማስያዊ ቅዲ፣ ኣብተን ሃገራት ንዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከሻቕል ይርአ ከምዘሎ ዝሕበር ኮይኑ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ሕጊን ንድሕነቶም ዝሕለቓ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ብብዝሒ ኣብ ዝርከባሉ ቦታን ከምዘለዉ ኣሚኖም ካብ ራዕዲን ምጥርጣራትን ከርሕቚ ይግባእ ።