ኢትዮጵያዉያን ፣ ሃገራዉያንን ታሪኻዉያንን ኣብ ዝብልዎም ገዘፍቲ በዓላት ዘንጸባርቕዎ ዘለዉ – ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምኻና ዘመላኽት ወስታታት ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ፡ ክልላት ኣምሓራን ክፋላት ኦሮሞን ፣ ሓያለ ዜጋታት እታ ሃገር ዝኽሪ ዓወት ኲናት ዓድዋ ኣብ ዝጽንብሉሎም ዘለዉ ኣጋጣሚታት ንኤርትራ ዝጸንበረ ካርታታትን ምስልታን ኢትዮጵያ ብድፍረት የወዓውዑ ከምዘለዉ ይንገር።

ንልኣላዉነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉ ርይቶታትን መግለጺታን ካብ ሓያለ ኢትዮጵያዉያን ፖለቲከኛታት ፣ ምሁራት፡ ጋዜጠኛታት ይኹኑ ተራ ዉልቀሰባት ክወጽእ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በዚ ጉዳይ እዚ ተሓቲቱ ስርዓት ኸትሕዝ ዝግብኦ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ብዛዕባ እቲ ኣሰካፊ ጉዳይ ክሕለቕ ዝነበሮ ህግደፍ ዝኾነ ጠለብ ወይ ነቔፈታ ብወግዓዊ መንገዲ ስለዘይመጾ እቲ ኣሰካፊ ኩነታት ሱቕ ኢሉ ክቕጽል ይርአ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ንልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝራባሕ ዘሎ ተጻብኢ ርእይቶታት ደው ኽብል ብወገን’ቲ ኣብ ኤርትራ መንግስትነት ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ስምዕታን ዲፕሎማስያዊ ድሎን ይርአ ብዘይምህላዉ፡ ካብ መላእ ህዝብና ልዑል ስክፍታ ይንጸባረቕ ከምዘሎ ወኪላት ቴሌቪዥን ኤሪሳት ብቐጻሊ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ንልዑልነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝፈታተን ሓሳብን ርእይቶን ብሸነኽ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብቓልዕ እንዳወጸ፡ ጉጅለ ህግደፍ ይትረፍ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ጸዊዑ ወግዓዊ ይቕሬታ ኽጠልብ፡ ንወስታ’ኳ ናይ ኩነኔ መግለጺ ዛጊት ኣይሃበን ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ በቶም ንመሬቱን ባሕሩን ምስኣኖም ወትሩ ብውሽጦም ዝጉህዩ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ናይ ስምዒት ርእይቶታትን ሓሳባትን ንቡርን ዘየሻቕልን ተርእዮ ገይሩ ዝወስዶ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ይኣሊ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተበጺሑ ካብ ዝበሃል ሰዓት ዝራብሑ ዘለዉ ንልዕልና ሃገረ ኤርትራ ዝጻብኡ ተኽቶዂቲ ርእይቶታት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዓገብ ክብል ዘይምብጋሱ ግዳ ሓለፋ ካልእ ኣግሁይዎን ብመርገጺ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ልዕሊ ካልእ እዋን ኽጠራጠር ገይርዎን ይርከብ።