ኣብ ከተማ ካምፓላ ናይ ኡጋንዳ ፈላሚ ዋዕላ ወፍሪ ኤርትራዉያን ዲያስፖራ ሎሚ 2 መጋቢት ተቓኒዑ።

መሰረታዊ ዕላማ ናይ’ቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ኣብ ኡጋንዳ ብስደትን ብወፍሪን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ፡ ተጠቀምቲ ዝሰፍሐ ዕድላት ንምዃን ምስ መንግስታዉያን ኣካላት ዘለዎም ቅርበት ዝድልድለሉ ባይታ ንምንጻፍ ከምዝኾነ እየን ኣብ ምዉዳብ እቲ ዋዕላ ብመሪሕነት ዝነጠፋ ኤርትራዉያን መእሰያት ቅሳነት ተወልደን ክሪስቲና የማነን ዝሕብራ።

ኤርትራዉያን ኣብ ኡጋንዳ ንዘሎ ዕድላት ወፍሪ ኣዳቒቘም ኪፈልጡን፣ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶምን ስራሖምን ዝጎንፍዎም ብድሆታት ንምዝላቕ ዝከኣለሎም መንገድታት ክንጸሩን ፡ ከምዚ ዝበለ ናይ ምብህሃልን ምቅርራብን ዋዕላ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝጠቕሳ እተን መንእሰያት፡ ኤርትራዉያን ንኡጋንዳ ከም ካልኣይቲ ሃገሮም ጌሮም ክርእዩዋ ኪኽእሉ ብመንግስቲን ህዝቢን እታ ሃገር ንዝቕጽል ዘሎ ምቕሉልነት ኣመስጊነን።

ኣብቲ ዋዕላ – ኣብ ወፍሪ፡ ትምህርቲን ካልእ ዝተፈላለዩ ዓዉድታትን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ምስታፎም እዉን ክፍለጥ እንከሎ ፣ ብወገን መንግስቲ ኡጋንዳ እዉን ወከልቲ በዓልመዚ ወፍሪ ፡ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ በዓልመዚ ኣታዊ ዉሽጢ ሃገር፡ ክፍሊ ምቊጽጻር ዜግነትን ኢሚግሬሽንን፣ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሚኒስትሪ መሬት፡ ሚኒስትሪ ዉሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣካላት ፍትሒን ጸጥታን ዝኣመሰሉ ተረኺቦም ኣለዉ።

እዚ ብዓይነቱ ናይ መጀምርታ ዝኾነ ዋዕላ፣ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ኣብ መዳያት ወፍሪ፡ ትምህርቲ፡ ፍቓድ ነባርነትን ዑቕባን ዝጎንፎም ምምሕዳራዊን ሕጋዊን ብድሆታት ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ተራ ክህልዎ ምዃኑ ይእመን።

ኡጋንዳ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ምስ ካልኦት ሃገራት እዛ ኣህጉር ብምዝማድ እቲ ዝሓሸ ምዃኑ እዩ ዝንገር። በዚ ምኽንያት ቊጽሪ ናይ’ቶም ኣብታ ሃገር ኪሰርሑን ከውፍሩን ዝመርጹ ኤርትራዉያን ዓመታዊ ክዛይድ ይርከብ።

ብመሰረት ሰነዳት ክፍሊ ስደተኛታት ናይ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 70 ሽሕ ኤርትራዉያን ኣብታ ሃገር ይነብሩ።